Kishore Kumar Hits

Tedalo - Endyamo (Tedalo), Vol. 1 - Remix version lyrics

Artist: Tedalo

album: Endyamo (Tedalo), Vol. 1 [Remix version]


እዚ ኩሉ ተመንየ ንነዊሕ ደላልየ
ከም ሕሱም ደኺመ'ኳየ ቁጽሪ ስልካ ሒዘ
ኣታ ምስ ቀረብኩ ፊት ንፊት ክገጥማ
ተስፋ ተቁርጹኒ ዛ ዕድል ከህድማ
በሉ ኣስተብሁሉለይ እንተ'ደልየ ተዳሎ(ተዳሎ)
እንተ ኢለዮ ን ውሽጠይ ኩሉ ከምዝኽእሎ
ጭርርርር ደዊለላ'የ ሐራይ ኢላ ንቆጸራ
ከይደ በሉ ክነግራ ከመይ ከም ዘፍቅራ
ኣድጊ ዘይከበዶ መጽዓን ከበዶ (ግደፎ እሞ ጠይቂ)
እውይ እዚ ፍጥረትኩም ኮይኑኒ ኣሎ ጋዶ
ንሻሂ ንሌላ ሕራይ እንዳለት ንሳ
ተዘኻኹሩኒ ቡዙሕ ከም ዝንእሳ
ከምዛ ቦኽሪ ወዳ እተመርዑ ስድራ
ዘለኒ ነጊፈ ክውንቲ ክገብራ(ደኺመ)
ዕለት ካብ ንፈሊ ገጽ ንገጽ ክረኽባ(ደኺመ)
ደቂሰ'ዶ እንድዒ ግን ደስ ክብለካ'ባ
ዝበልኩም በሉኒ ተስፋ ከተቁርጹኒ
ሰገጥ ኣይክብልንየ ብልበይ እንድየ ፈትየ(ብልበይ እንድየ ፈትየ)
ፈሊጠ'የ ደቂሰ ኣይትነቅንቁኒ ኡሽሽ
ደይ ሓቂ'የ ክነግራ እንታይ ዕዳ ኣሎኒ
ኣድጊ ዘይከበዶ መጽዓን ከበዶ (ግደፎ እሞ ጠይቂ)
እውይ እዚ ፍጥረትኩም ኮይኑኒ ኣሎ ጋዶ
ንሻሂ ንሌላ ሕራይ እንዳለት ንሳ
ተዘኻኹሩኒ ቡዙሕ ከም ዝንእሳ
በዚሐ ውሂደ ታ ነታ ዝኸዳ
ግደፉላ ነታ ሽኮሪና እክበዳ
መን ጌሩኩም ፈራዶ ጥራይ ነብሰይ ተዳሎ
እንድያሞ ተዳሎ እንድያሞ
በዚሐ ውሒደ ኣታ ነታ ዝኸዳ
ግደፉላ ነታ ሽኮሪና እኽበዳ
ምያ እንተኣለኩም ክትምስኩሩለይ ጽላለይ
እንድያሞ'ዶ ምሳይ እንድያሞ
እንድያሞ እንድያሞ'ዶ ታ
እንድያሞ ኣታ እሟ እንድያ እሞ
እንድያሞ እንድያሞ'ዶ ታ
እንድያሞ ኣታ እሟ እንድያ እሞ
Tedalo Yowhanes - LMKboyy

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists