Kishore Kumar Hits

Tedalo - Endyamo lyrics

Artist: Tedalo

album: Tedalo


እዚ ኩሉ ተመንየ ንነዊሕ ደላልየ
ከም ሕሱም ደኺመ'ኳየ ቁጽሪ ስልካ ሒዘ
ኣታ ምስ ቀረብኩ ፊት ንፊት ክገጥማ
ተስፋ ተቁርጹኒ ዛ ዕድል ከህድማ
በሉ ኣስተብሁሉለይ እንተ'ደልየ ተዳሎ(ተዳሎ)
እንተ ኢለዮ ን ውሽጠይ ኩሉ ከምዝኽእሎ
ጭርርርር ደዊለላ'የ እሺ ኢላ ንቆጸራ
ከይደ በሉ ክነግራ ከመይ ከም ዘፍቅራ
ኣድጊ ዘይከበዶ መጽዓን ከበዶ (ግደፎ እሞ ጠይቂ)
እውይ እዚ ፍጥረትኩም ኮይኑኒ ኣሎ ጋዶ
ንሻሂ ንሌላ ሕራይ እንዳለት ንሳ
ተዘኻኹሩኒ ቡዙሕ ከም ዝንእሳ
በዚሐ ውሂደ ታ ነታ ዝኸዳ
ግደፉላ ነታ ሽኮሪና እክበዳ
መን ጌሩኩም ፈራዶ ጥራይ ነብሰይ ተዳሎ
እንድያሞ ተዳሎ እንድያሞ
በዚሐ ውሒደ ኣታ ነታ ዝኸዳ
ግደፉላ ነታ ሽኮሪና እኽበዳ
ምያ እንተኣለኩም ክትምስኩሩለይ ጽላለይ
እንድያሞ'ዶ ምሳይ እንድያሞ
እንድያሞ ክትምስኩሩለይ እንድያሞ እንዶ'ታ
እንድያሞ ኣታ እሟ እንድያ'ሞ
እንድያሞ ክትምስኩሩለይ እንድያሞ እንዶታ
እንድያሞ እታ እሟ እንድያ'ሞ
ከምዛ ቦኽሪ ወዳ እተመርዑ ስድራ
ዘለኒ ነጊፈ ክውንቲ ክገብራ(ደኺመ)
ዕለት ካብ ንፈሊ ገጽ ንገጽ ክረኽባ(ደኺመ)
ደቂሰ'ዶ እንድዒ ግን ደስ ክብለካ'ባ
ዝበልኩም በሉኒ ተስፋ ከተቁርጹኒ
ሰገጥ ኣይክብልንየ ብልበይ እንድየ ፈትየ(ብልበይ እንድየ ፈትየ)
ፈሊጠ'የ ደቂሰ ኣይትነቅንቁኒ ኡሽሽ
ደይ ሓቂ'የ ክነግራ እንታይ ዕዳ ኣሎኒ
የቕንዓልካ ምባል እንታይ ነውሪ ኣለዎ
ኮይኑኩም ሕማቅ ፋል ንበል እዝጊ ኣለዎ
እምበር ምፍታው ደኣሞ መን ደው ከብለኒ
ኣልግሱ ካብ ቅድመይ ከፍቅር ደስ ዝብለኒ
በዚሐ ውሂደ ታ ነታ ዝኸዳ
ግደፉላ ነታ ሽኮሪና እክበዳ
መን ጌሩኩም ፈራዶ ጥራይ ነብሰይ ተዳሎ
እንድያሞ ተዳሎ እንድያሞ
በዚሐ ውሒደ ኣታ ነታ ዝኸዳ
ግደፉላ ነታ ሽኮሪና እኽበዳ
ምያ እንተኣለኩም ክትምስኩሩለይ ጽላለይ
እንድያሞ'ዶ ምሳይ እንድያሞ
እንድያሞ ክትምስኩሩለይ እንድያሞ'ዶ ታ
እንድያሞ ኣታ እሟ እንድያ እሞ
እንድያሞ ክትምስኩሩለይ እንድያሞ'ዶ ታ
እንድያሞ ኣታ እሟ እንድያ እሞ
ከምድላየይ ከምድላየይ
Song writter Tedalo

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists