Kishore Kumar Hits

Tedalo - Ab Mesmerey lyrics

Artist: Tedalo

album: Tedalo


ጽጌናይ ሰገን መሕመም መሳርዓ
ንመመከሒ ጎይታ ዝለከዓ
ምስሊ ማርያም ዝስተ ሕጻባ
ዕታር ሽምጢ ለይለይ ኣስናን ጸባ
ኣብዛ ናይ ሰሙን ቁንጣሮ ጻንሖተይ
ጎፍ ኢልክኒ ወሳኺት ህርመተይ
ኣቤት ኣቤት ስላሴ ተዓኒደ ኣነሴ
ጌርክኒ ዕዋኖ ከይበልኪ ተዳሎ
ዛ ኽሳድኪ ኣቕኒንኪ ብከውሊ
እንዳ ሰፈኪ መቦቆጺ እኽሊ
ለለ እንዳ ዘየምኪ ጥዑም ድምጺ
ብኽዉለይ ጸይረዮ ነቲ ረምጺ
ኮኾብኪ ሓይሉ ተደንዲነ
ዝዘርየለይ ዘራይ እምበር ስኢነ
ንማሕላ እኳ ጋዶ
ማሕረስ ንዓይ ባዶ
ክትድሰቲ ኢለ ዶ ክፍትን ክለምዶ
ካልእ እትረፍ ክርእየን ኣስናንንኪ እንዳወጻ
ኣይ ሓፋር እንዲኪ ፍርቂ ሽፉን ገጻ
ብዘይ ኣደሬ እኳ ኣስናንኪ መግየጻ
ኣንቲ ዕባይ ህድሞ ጾር ልበይ ስምዒ'ሞ
ካልኣ ትሰከሞ ብቃል ክትርግሞ
እንቲ ሓዳስ ወልፈይ ሕሉበይ^^ ንጹፈይ
ሰብኣይ እንዶ ኣብልኒ ብዕጥቅታ ስረይ
ንዒ ኣብ መስመረይ
ውዕሎ ኮንቱ ልኡኽ ሓሊቦ
ከይተድግምኒ ነዚ ኣነ ከይክዕቦ
ወሰን ወሰን እንተ በልኩ ሓንጊደ
መዓስ ፈትየ ግዳ ተገዲደ
ዝምነያ ጫፍ ምዕራፍ ጸሎተይ
እተን ኣዴኺ ክኾና ሓማተይ ንዒ
ኣብ መስመረይ
ኣብ መስመረይ
ንሰላመይ ንዕኒ'ዶ ዘራይ
ንሰላመይ ንዕኒ'ዶ ዘራይ
ንሰላመይ ንዕኒ'ዶ ዘራይ
ንሉዋመይ ክንኒ'ዶ ዘራይ
በይንኺ እሞ ውጺ ኣብ መስመረይ ብዘይ መጻውቲ
እዝጊ ኣለወን ከብቲ ኣብ መስመረይ ብሩሕ ዶ ጻውቲ
እምበር እዚ ኣነ ኣብ መስመረይ ባዕለይ ከይዳነ
እምበር እዚ ኣነ ኣብ መስመረይ ምስ ደመይ ከይሳነ
ግዝእኒ ኢለ ኣድሚጸ ኣብ መስመረይ ልበይ ዓሚጸ
ንሰላመይ ንዕኒ እንዶ ዘራይ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists