Kishore Kumar Hits

Tedalo - Wey Gudey lyrics

Artist: Tedalo

album: Tedalo


ንመርዖ'ዶ ኣሕጽር ኣቢልና
ኣሕጽር ኣቢልና
እንተበልኩዋ ርእሳ ደኒና
እዛ ሽኮሪና
ክትቅየመኒ'ሞ ኣይደልያን'የ
ንሳ ድላያ ጽንብል እዩ ፌስታ
እዛ ጁባይ ከምታ ንፈልጣ
ሙዳ ሰይረዮ ክርትምትምትምትምትም
ወይከ ምዝራብ ሕትምትም
ጽቡቃት መኻይን ተር ኣቢልና
ፈረስ ዝጋልበሉ ዳስ ተኺልና
በረኸት መንግስትኣብ ክደርፈልና
ዘይምንዮ'ዶ ኮን መሲሉዋ
ታይ ክምልስ ታይ ክዛረብ ወይ ጉደይ
ታይ ክምልስ ታይ ክዛረብ ወይ ጉደይ
ሓሴኪ'የ ለ'ዶ ክሕሱ
ልባ ከይህሰ
ንፋቶ ኢና ምእንቲ ርእሱ
ትከየፍ እስከ
ክትቕየመኒ'ሞ ኣይደልያን'የ
ንሳ ድላያ ጽንብል እዩ ፌስታ
እዛ ጁባይ ከምታ ንፈልጣ
ሙዳ ሰይረዮ ክርትምትምትምትምትም
ወይከ ምዝራብ ሕትምትም
ጽቡቃት መኻይን ተር ኣቢልና
ፈረስ ዝጋልበሉ ዳስ ተኺልና
በረኸት መንግስትኣብ ክደርፈልና
ዘይምንዮ'ዶ ኮን መሲሉዋ
ጽቡቃት መኻይን ተር ኣቢልና
ፈረስ ዝጋልበሉ ዳስ ተኺልና
በረኸት መንግስትኣብ ክደርፈልና
ዘይምንዮ'ዶ ኮን መሲሉዋ
ታይ ክምልስ ታይ ክዛረብ ወይ ጉደይ
ታይ ክምልስ ታይ ክዛረብ ወይ ጉደይ
ጽቡቃት መኻይን ተር ኣቢልና
ፈረስ ዝጋልበሉ ዳስ ተኺልና
ዳዊት ሽላን ዕሰለ ክብለልና'ዩ'ላ
ክትሑሱ'ያ መልሓሰይ መኒና
ተመነ ክህበካ እንድዩ ዝብል እቲ ሰማያዊ ኣቦ
ሃብታም ግበረኒ እንተ ዝብሎ'ስ ፈተነ ዶ ይኾኖ
ኳሕ ኩሕ ክትክፈት እንድዩ ዝብል
ሚልዮናት ሃበኒ እንተ ዝብሎ ብኮፈይ ክልምኖ
ፈተነ'ዶ ምኾኖ
ጽቡቃት መኻይን ተር ኣቢልና
ፈረስ ዝጋልበሉ ዳስ ተኺልና
በረኸት መንግስትኣብ ክደርፈልና
ዘይምንዮ'ዶ ኮን መሲሉዋ
ወይ ጉደይ ምልኣት ልባ ክሕሉ
ወላ ኣነ ነዚ ኣነ ካልእ ይኾነሉ
ሕልናይ ኮይኑለይ ከሳሲ
ኣነን ንሳን ንፍርዲ
ወይ ጉደይ ሕልምን ክውንነትን
ክልተ ጫፍ ኮይኑኒ ሩሕን ሞትን
ኣብዘን ዳሳት ከሳሲ
መቃቂለያ ነብሲ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists