Kishore Kumar Hits

Tedalo - Aytgdefni lyrics

Artist: Tedalo

album: Tedalo


ምስ ከድኪ'ዶ ናፊቐዮ ዓቐን ፍቕርኪ
ምስ ኣህደምኩኺ ጸሚአዮ ፍሽኽታኺ
መዘና ዘይብሉ ጣዕሳ ተሰኪመ
የስተንትን ኣለኹ ጥዑም ተሓሲመ
ነዛ አፍቅረኪ ክብለኪ ትርጉም ልበይ ክገልጽ
ክፋእ እናቐደመኒ 'ዛ ትም እመርጽ
መኣዲ ቕድመይ ገዲፈ ናይ ካልኦት ሃሪፈ
መኣዛኺ እናፈለጥኩ ሸለል ኢለኪ
ዝተደጎለ ፍቅርኪ'ባ ፈኸም ኢሉ ነዲዱ
እነኹልኪ'ባ ኣብኣ 'ረኽባ ምስልኺ አማዕዱ
ጸጋም የማን ኩሉ ጠሚተ ስኢነኪ ደልየ
ምስ ከድኩ'ዶ ደጊሱኒ ሓቀኛ ወኒ
ዘክረኒ
ኩሉ ግዜ ኣብ ልብኺ
ተመለሲ
ተጣዒሰ እንድየ ተጣዓሲ
ከለኺ'ዶ ከይህበኪ ነበርኩ ግዜ
ኣይ 'ቲ ግብረይ ኣርሚምኒ'ኮ ተኪዘ
መዘና ዘይብሉ ጣዕሳ ተሰኪመ
የስተንትን ኣለኹ ጥዑም ተሓሲመ
ዘክርኒ
ኩሉ ግዜ ኣብ ልብኺ
ተመለሲ
ተጣዒሰ እንድየ ተጣዓሲ
ትርግታ ልቡ ዘይሰምዕ ሰነፍ ሰብ እየ ኣነ
ልበይ እንዳ ኣንቧሃቖልኪ ኣነ አጉድለልኪ
ሓንሳብ እሞ ቕልቅል በሊ ዝናዘዞ ኣሎኒ
ነዛ እስኽን ንዓለምን ዘይገለጽክዎ
ዘክረኒ
ኩሉ ግዜ ኣብ ልብኺ
ተመለሲ
ተጣዒሰ እንድየ ተጣዓሲ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists