Kishore Kumar Hits

Tedalo - Tezemite lyrics

Artist: Tedalo

album: Tedalo


ኣንታ ኣብ ኩሉ ዘለኻ ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ
ጎይታ ሎሚ ጨኪንካ ሓቂ ዘረባ
ዘይንፈላለ ኔርና ክልተ ገጻት ሳንቲም
ዘይንራኸብ ጌርካና ድሕሪ ደጊም
ተዳሎ ከይበልክኒ ኣብ ሰለሎ ገዲፍክኒ
ኣሃይ ወለሎ ብርሃን ዓይኒ ዘየሎ ዘልመድክኒ
ጠሚተ ሃሰው ኢለ የለኽን ድንን ኢለ
ኣይ ብዘረባ 'ኳ ዝፈርሃ ምፍልላይ ናባይ መጽያ
ምፍልላይ ተዝኾነለይ'ዶ
ናይ ተሌፎን ዋላ ማዕዶ ማዕዶ
እዎይ ዎይ ዎይ ኣነ
ዘይትትመን ዑንቂ ተዘሚተ
ማዕረ ዕምቆት ራሕቂ ፍቕርና'የ
ናፊቐኪ ከምቲ'ኳ ዘየለ
እዎይ ዎይ ዎይ ኣነ
ዘይትትመን ዑንቂ ተዘሚተ
ኣንታ ኣብ ኩሉ ዘለኻ ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ
ጎይታ ሎሚ ጨኪንካ ሓቂ ዘረባ
ዘይንፈላለ ኔርና ክልተ ገጻት ሳንቲም
ዘይንራኸብ ጌርካና ድሕሪ ደጊም
ተዘሚተ
ተዘሚተ
ደሓን'ዶ ኢልክኒ ብሕልሚ
ኣብ ጸላም ኮይንኪ ኣብ ሰልሚ
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህርመት
ይናፍቕ ናትና ህይወት
ህይወተይ ምንባር ኮይኑዋ
ምስትንፋስ ጥራይ በይኑ
ምቃለይ ብሓቂ ድዩ?
ስጋኺ ሓመድ ኮይኑ
ምፍልላይ ተዝኾነለይ'ዶ 'ኸ
ናይ ተሌፎን ዋላ ማዕዶ ማዕዶ
እዎይ ዎይ ዎይ ኣነ
ዘይትትመን ዑንቂ ተዘሚተ
ተዳሎ ከይበልክኒ ኣብ ሰለሎ ገዲፍክኒ
ኣሃይ ወለሎ ብርሃን ዓይኒ ዘየሎ ዘልመድክኒ
(ኣንታ ኣብ ኩሉ ዘለኻ) ንዒ'ሞ ተመለስኒ ድላየይ
(ጎይታ ሎሚ ጨኪንካ) ንዒ'ሞ ደሃይ ሃብኒ ድላየይ
(ዘይንፈላለ ኔርና) ንዒ'ሞ ኣለኹ በልኒ ድላየይ
(ዘይንራኸብ ጌርካና) ንዒ'ሞ ደሃይ ሃብኒ ድላየይ
ኣንታ ኣብ ኩሉ ዘለኻ
ጎይታ ሎሚ ጨኪንካ
ዘይንፈላለ ኔርና
ዘይንራኸብ ጌርካና
ምፍልላይ ተዝኾነለይ'ዶ
ናይ ተሌፎን ዋላ ማዕዶ ማዕዶ
እዎይ ዎይ ዎይ ኣነ
ዘይትትመን ዑንቂ ተዘሚተ
ምፍልላይ ተዝኾነለይ'ዶ 'ኸ
ናይ ተሌፎን ዋላ ማዕዶ ማዕዶ
እዎይ ዎይ ዎይ ኣነ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists