Kishore Kumar Hits

Abreham Gebremedhin - Kalyo lyrics

Artist: Abreham Gebremedhin

album: Macha, Vol. 2


ኣይቀሰንኩን ሓላለይ
ከፊኡኪ ሪአ ብሕልመይ
ሰላም ኩኒ ኣብቲ ዘለኽዮ ከኣልዮ
ከይትስዓሪ ሓላለይ
ብርሃን እንድዩ ኣብ ቅድሜና ዘሎ
ኪኖ ጸላም ራህዋ ግድን ኢዩ ከኣልዮ
ንጽባሕ ተተስፍየ እንድየ ክኢለዮ
ከኣልዮ እምበር ክኢለዮ
ጽላለይ ኣይከምኡን ኔሩ ድሓለፍናዮም እዋናት
ጽላለይ ስደት ከቢድ'ዩ ብኡነት
ዎሆሆሆሆ ከቢዱኒ ኣይትበሊ
ናሄሄ መታን ክጋለጽ ሎሚ
ኣብ ውሽጥኺ ጽባሕ ንበሪ
ዘይሰሓነ ልዳት ምፍልላይ ምኩሕ ዘቃለሎ
ብሰንፈላል ልቦና ምስናፍ ዘይከብዶ መን ኣሎ
ልመድዮ ንጽባሕ ተስፋ እንድዩ ፍቕረይ ንህይወት ዘሰንዮ
ከኣልዮ ንጽባሕ ተተስፍየ እንድየ ክኢለዮ
ከኣልዮ እምበር ክኢለዮ
ኣይቀሰንኩን ሓላለይ
ከፊኡኪ ሪአ ብሕልመይ
ሰላም ኩኒ ኣብቲ ዘለኽዮ ከኣልዮ
ከይትስዓሪ ሓላለይ
ብርሃን እንድዩ ኣብ ቅድሜና ዘሎ
ኪኖ ጸላም ራህዋ ግድን ኢዩ ከኣልዮ
ንጽባሕ ተተስፍየ እንድየ ክኢለዮ
ከኣልዮ እምበር ክኢለዮ
ጽላለይ ኣይከምኡን ኔሩ ድሓለፍናዮም እዋናት
ጽላለይ ስደት ከቢድ'ዩ ብኡነት
ዎሆሆሆሆ ከቢዱኒ ኣይትበሊ
ናሄሄ መታን ክጋለጽ ሎሚ
ኣብ ውሽጥኺ ጽባሕ ንበሪ
ብርቱዕ ጸላም ተኣልዩ ብወጋሕታ ብርሃን ዝኾነሉ
ኣብ ቀረባ'ዩ ዘሎ 'ቲ ጊዜ እንራኸበሉ
ልመድዮ ንጽባሕ ተስፋ እንድዩ ፍቕረይ ንህይወት ዘሰንዮ
ከኣልዮ ንጽባሕ ተተስፍየ እንድየ ክኢለዮ
ከኣልዮ እምበር ክኢለዮ
ወይ ምፍልላይ ሕሱም ክንደይ የሳቒ
ክንደይ የሳቒ
ኣነ ደይብሉ ፍቕረይ 'ቲ ኸባቢኺ
እንተናፈቐኪ
ጊዜ ዝፈትሖ ሽግር ከየሕምቐኪ
ከየምሕቐኪ
ንኽኣሎ ድኣ ፍቕረይ ጸበባ ጭንቂ
ጸበባ ጭንቂ
ዘኪረዮ ዘሕለፍናዮ
ኣነ ግዳ ክኢለዮ
ኣ.ሀ.ይ. ጽባሕና ክሓይሽ ኢለ
ኣ.ሄ.ይ. ሕልምና ክገሃድ ኢለ
ኣ.ሄ.ይ. ድሌትና ክሰምር ኢለ
ኣ.ሀ.ይ. ጽባሕና ክሓይሽ ኢለ
ዘኪረዮ ዘሕለፍናዮ
ዕላል ፍቕሪ ናፊቐዮ
ንኽኣሎ ንኽኣሎ ግዳ ብዓቕሊ
ሓላፋይ'ዩ መከራ እንታይ በሃሊ
ኣነ እሞ ከሕልፎ'የ ኩሉ ኽኢለ
ካብ ሎሚ ጽባሕና ክሓይሽ ኢለ
ዘኪረዮ ዘሕለፍናዮ
ኣነ ግዳ ክኢለዮ
ኣ.ሀ.ይ. ሕልምና ክገሃድ ኢለ
ኣ.ሄ.ይ. ድሌትና ክሰምር ኢለ
ኣ.ሄ.ይ. ጽባሕና ክሓይሽ ኢለ
ኣ.ሀ.ይ. ሕልምና ክገሃድ ኢለ
ዘኪረዮ ዘሕለፍናዮ
ዕላል ፍቕሪ ናፊቐዮ
ንኽኣሎ ንኽኣሎ ግዳ ብዓቕሊ
ሓላፋይ'ዩ መከራ እንታይ በሃሊ
ኣነ እሞ ከሕልፎ'የ ኩሉ ኽኢለ
ካብ ሎሚ ጽባሕና ክሓይሽ ኢለፕ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists