Kishore Kumar Hits

Abreham Gebremedhin - Haki Knegreki lyrics

Artist: Abreham Gebremedhin

album: Macha, Vol. 2


ሓቂ ኽነግረኪ እመንኒ
ልበይ ትሑዝ ኮይኑ እምበር ንፍቕሪ'ዶ ተዓቤሉ ኢልክኒ
መፍትሕ ፍቕሪ ሒዛ እንተ ክትከፍቶ
እንተስ ክትዓጽዎ ከማኺ ጓል ሄዋን'ያ ካን ልበይ ብሒታቶ
ፈታዊተይ ኣይተስተማስሊ እንዶ
ደይከውን ኮይኑ እምበር ብኣኺ'ዶ
ጨኪነ ኢልክኒ ግን ንዘይኮነኪ
ሕራይ ተበልኩ'ኸ 'ታይ ይዓብሰልኪ
ሓቂ ኽነግረኪ ኣይትቀየምኒ
መላፍንቲ ኣላትኒ
ኣበይ'ሞ ጽብቕተይ ኣነ ኣይኮንኩን እምበር ጽሕፍቶኺ
መቕለብክዎ ሕራይ ኢለ ፍቕራዊ ሕቶኺ
'ስኺ ግዳ ካብ ሰብኪ ዘናኣስኩኺ መሲሉኪ እምበር
መልክዕ ድኣ ጓልኪ እንድያ ግን እንታይ'ሞ እገበር
ሓቂ ኽነግረኪ እመንኒ
ልበይ ትሑዝ ኮይኑ እምበር ንፍቕሪ'ዶ ተዓቤሉ ኢልክኒ
መፍትሕ ፍቕሪ ሒዛ እንተ ክትከፍቶ
እንተስ ክትዓጽዎ ከማኺ ጓል ሄዋን'ያ ካን ልበይ ብሒታቶ
ፈታዊተይ ኣብ ቦታኺ ኾይነ
ምረትኪ ይፈልጦ'የ ግን ኣነ
ኣይኮነክንየ እሃብኪ ኣኻእሎ
ከይተርፍ'ዶ ንዓኺ ዝበሎ
ሓቂ ኽነግረኪ ኣይትቀየምኒ
መላፍንቲ ኣላትኒ
ኣበይ'ሞ ጽብቕተይ ኣነ ኣይኮንኩን እምበር ጽሕፍቶኺ
መቕለብክዎ ሕራይ ኢለ ፍቕራዊ ሕቶኺ
'ስኺ ግዳ ካብ ሰብኪ ዘናኣስኩኺ መሲሉኪ እምበር
መልክዕ ድኣ ጓልኪ እንድያ ግን እንታይ'ሞ እገበር

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists