Kishore Kumar Hits

Tesfalem Arefaine Korchach - Fkrey lyrics

Artist: Tesfalem Arefaine Korchach

album: Siereki Alem


ፍቕረይ ሓደራኺ
ስምዕኒ ብወላዲትኪ
ክሳብ ንተዓረቕ ምኽንያት ናይ ባእስና ኣይትዛረብሉ
ቃል እግሪ 'ለዎ ካብ ኣፍ እንተወጽዩ ክበጽሕ'ዩ ኣብ ኩሉ
ወረ ጃልባ ኮይኑ ኣብ ባሕሪ ፍቕርና መታን ከየንሳፍፍ
ምስጢር ክልቴና ግዳም ከይሓድር ምዕራቕና ዘይተርፍ
ሰብ ሰሚዑ እንታይ ገባሪ
ሰብ እወ ሰብ እዚ ነጋሪ
ምስጢር ኢልካ ዝሃብካዮ
ምስጢር ኢሉ እንድዩ ዘውርዮ
ሰብ ሰብ'ዩ እኮ ካባይ ጀሚርካ
መን ክንዳኻ ይኾነልካ
ምስጢር የለን ዝተሓብአ
ካብ ኣፍ ወጽዩ ዝተሰምዐ
ናይ ውሽጥኺ ኣይትንገሪ ባዕልኺ ጽርዮ
መን'ዩ ክስከመልኪ ንስኺ ዘይከኣልክዮ
ደሓር ምስተዓረቕና ሰላም ምስ ነገሰ
ክሓቕየኪ ከይነብር ደገ ዝነፈሰ
ንዒ ንዒ ንዒ ንሰብ ኣይትእመኒ
ንዒ ንዒ ንዒ ፍቕሪ'ዩ ዝዳኒ
እዉ... ሓደራኺ
ስምዕኒ ብወላዲትኪ
ክሳብ ንተዓረቕ ምኽንያት ናይ ባእስና ኣይትዛረብሉ
ቃል እግሪ 'ለዎ ካብ ኣፍ እንተወጽዩ ክበጽሕ'ዩ ኣብ ኩሉ
ወረ ጃልባ ኮይኑ ኣብ ባሕሪ ፍቕርና መታን ከየንሳፍፍ
ምስጢር ክልቴና ግዳም ከይሓድር ምዕራቕና ዘይተርፍ
ፍቕረይ ፍቕሪ ማለት ምስጢር'ዩ
ምስጢር ማለት ከኣ ፍቕሪ'ዩ
ምስጢር ኣብ ልቢ ፍቑራት'ዩ ዝቕበር
ፍቕሪ ኣብ ጸልማት ዘሎ ብርሃን'ዩ
ኣብ ብርሃን ዘሎ ጸልማት'ዩ
ፍቕሪ ይጥዕሞን ይሓስሞን'ዩ
ይጥዓም ይሕሰም ግን ንኽልቴና'ዩ
ብወላዲትኪ: ሓደራኺ ንሰብ አሕሊፍኪ ኣይትሃብዮ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists