ኪኖ ጸላም ከውታ ዘይገመቶ 'ዚ ንኡሰይ
ውጻዕ ምዓት ካብቲ ዘራጊቶ ናይ ሕማመይ
ኣብ ዕሸሉ ምንባር ምስ ጸልመቶ 'ዚ ንኡሰይ
ካብቲ ጸቢብ ምውጻእ ዘይሓርበቶ ናይ ሕማመይ
ሓለይቲ መሲሎም ከሀምሉ ናይ ዕማመየ ናይ ዕማመይ
ኣይትተሃመል እናበሉ ናይ ዕማመየ ናይ ዕማመይ
ኣይተቕልበሉ ምግዓሮም
ፎኺሱ'ዩ ሚዛኖም
ከይሓፈሩ እብሉ ፈታዊ ነብሱ ናይ ዕማመየ ናይ ዕማመይ
ከውድቑኻ እሳቶም ክነግሱ ናይ ዕማመየ ናይ ዕማመይ
ባዶታት'ዮም ዘይረብሑ
ግደፎም ይንብሑ
ኣበይ ከይበጽሑ
ክንዳኻ ዘይኣኽሉ ብኣኻ እወዓሉ
ኔው በሎም ዝብሉኻ ንዓኻ ኽብልሉ
ግደፎም ይግዓሩ ዝበሉ እንተበሉ
ርገጽ ኣብ መትከልካ ኣብቲ ትኣምነሉ
እቲ ብርሃን ውሽጥኻ ክዶግሖም'ዩ ባዕሉ
ምስ ውሕጅ ተገፊዕካ ኣይትኺድ
ብጸልማት ናብ ህጉም ዝወስድ
ታሪኽካ ኣርሲሖም ክብልሉ
ኔው በሎም ንበዓል ሽሉ-ሙሉ
ካብቲ ጽሩይ ማይካ ዓለቕቲ
ብደምካ ዝረውዩ መጸይቲ
ኽጎንዩኻ ፈላልዮም ርስቲ
ኔው በሎም ነዞም ተበለጽቲ
ኔው በሎም ኔው ኔው
ኔው በሎም ንበዓል ሽሉ-ሙሉ
ኔው በሎም ኔው ኔው
ኔው በሎም ነዞም ተበለጽቲ
ዓቕሚ ብልሕኻ ንኡሰየ ዕቑር ወኒ
መክት ብትብዓት ናይ ዕማመይ ኣርእየኒ
ከሳቴ ብርሃን ፈልሲ ትማሊ
ገረብ'ዩ ጽባሕ ንህዝቡ መጽለሊ
ጎኑ ኸይቆርር ከይስሕት ኣንፈት
ንሕቆፎ ኣጥቢቕና ኣይንፈናተት
ካብቲ ብሱል ጥረ ዝወጸ እቲ ንኡሰይ
ካብ ዓንቀር ሲኦል ዝነፈጸ ናይ ዕማመይ
ምኽሪ ለጊስና ነቕንዕ መንገዱ
ጸግዒ ንኹኖ ንሓዞ ኢዱ
ንሱ'ዩ ጽባሕ ሃናጺ ዓዱ
ኦሆየ ዎሆየ ዎሆየ
በለኒ ኦሆየ ዎሆየ
ንበገስ ንኺድ ናይ ዕማመየ
ኣርእየኒ እንዶ ናይ ዕማመየ
ናይ ዕማመይ...
ናይ ዕማመየ ናይ ዕማመየ
ናይ ዕማመየ ናይ ዕማመይ
ናይ ዕማመየ ናይ ዕማመይ
ናይ ሕማመየ ናይ ዕማመይ
ናይ ዕማመየ ናይ ሕማመይ
ኣለኹ በለኒ ኣለኹ ምሳኻ
ናይ ሕማመይ ናይ ዕማመይ
Поcмотреть все песни артиста
Other albums by the artist