ትዕድልቲ በይነየ
ፋኑስ ህይወተየይ
ተበሃጊት መቕሰኒተይ
ኣይትከወሊ ካብ ቅድሚ ዓይነይ
ከይጽምወኒ ከይቆሮ ልበይ
ኣይትግደፍኒ ሓዝኒ ኢደይ
እዋይ ከመይ ዲኺ ሰሓቢት ማራኺት
እዋይ ከመይ ዲኺ ለባም መስተውዓሊት
ብዘይ ኣበር ኣምላኽ ሸሊሙኪ
ክብሪ 'ኹኖ ናተይ ብሙኻንኪ
ከይደ ኸይደ ኣይትበልኒ ኣይክእሎን'የ
ኣይትርሓቒ ካብዛ ጎነይ ኣይክእሎን'የ
ሓልዮት ፍቕርኺ ኣይተጉድሊ ኣይክእሎን'የ
ከይከብደኒ ናፍቖትኪ ኣይክእሎን'የ
ኣይክእሎን'የ ፍቕረይ ናተይ ኣይክእሎን'የ ኣይጸሮን'የ
ይትረፍ ንመዓልታት ተፈሊኺ ካባይ ክትርሕቂ
ናይ ሰዓት ደቓይቕ ኣነ'የ ዝፈልጦ 'ቲ ጭንቂ
ሰሓቕ ጸወታኺ'ዶ ኣይኮነን ናይ ህይወተይ ስንቂ
ናተይ ኢኺ ናተይ
ህያበይ ኢኺ ናይ ሓላለይ
ናተይ ኢኺ ናተይ
ሩሐይ ትንፋሰይ ህይወተይ
እዋይ ከመይ ዲኺ ሰሓቢት ማራኺት
እዋይ ከመይ ዲኺ ለባም መስተውዓሊት
ብዘይ ኣበር ኣምላኽ ሸሊሙኪ
ክብሪ 'ኹኖ ናተይ ብሙኻንኪ
ከይደ ኸይደ ኣይትበልኒ ኣይክእሎን'የ
ኣይትርሓቒ ካብዛ ጎነይ ኣይክእሎን'የ
ሓልዮት ፍቕርኺ ኣይተጉድሊ ኣይክእሎን'የ
ከይከብደኒ ናፍቖትኪ ኣይክእሎን'የ
ኣይክእሎን'የ ፍቕረይ ናተይ ኣይክእሎን'የ ኣይጸሮን'የ
ይትረፍ ንመዓልታት ተፈሊኺ ካባይ ክትርሕቂ
ናይ ሰዓት ደቓይቕ ኣነ'የ ዝፈልጦ 'ቲ ጭንቂ
ሰሓቕ ጸወታኺ'ዶ ኣይኮነን ናይ ህይወተይ ስንቂ
ናተይ ኢኺ ናተይ
ህያበይ ኢኺ ናይ ሓላለይ
ናተይ ኢኺ ናተይ
ሩሐይ ትንፋሰይ ህይወተይ
Поcмотреть все песни артиста
Other albums by the artist