ምስ ንብዓት ምስ እህህታይ ዋላ እናርኣኽኒ ዳር ትርኢተየ
ይመስለኪ ኮን ይኸውን ዝፈግድ ዝቐብጽ ዝህብ ኢደየ
ኣፍቂረ እንድየ ሓንሳብ ኣፍቂረ እንድየ
ከመየደይ 'ቢለ ኣንቲ ኽጸልእ
ኣይሕለልን'የ ፍጹም ኣይሕለልን
ኣነስ ኣይርብርብን ይቕረ ይቕረ ምባል
እዎ.ይ ኣነ ምሩኽ እንድየ ምሩኽ ናይ ፍቕሪ ብገዛእ ፍታወይ
እህ.ም ቅጭጭ ከይበለኪ ሓይልኺ ተርኢኒ ክትጭክኒ ሰበይ
እዎ.ይ እናመረረኒ ግፍዒ ልዕሊ ዓቐን ልዕሊ ዓቐን ኮይኑ
እህ.ም ከርእየኪ መንፈሰይ 'ቲ ቕኑዕ መንፈስ ከቶ ከምዘይዓኑ
ናይ ኢድኪ ንምምላስ ንዓይ ከመይ ጌሩ ንዓይ ክጠፍኣኒ
ዘይትቕበጺ ኾይንኪ ፍቕረይ ጭካነኺ ህልኽ ኣትሒዙኒ
ትንብዓተይ ክዕው ዝርው ከም ፈልፋሊ ዓይኒ ማይ ኮይኑ
ከርእየኪ'የ ፍቕረይ ፍቕሪ ከም ዘቡቅል ከም ማይ መስኖ ኾይኑ
እናመጸጽክንስ መዓረየ
እናዓርዓርክንስ ምቅርተየ
ተሳዒረ ኣኽሊለይ ዝደፍኦ ኣነ ኣፍቃሪኺ
እናንባዕኽንስ ዘለላየ
እናቐዘኽንስ ደሓነየ
ባሕሪ ኾይነ ጭካነኺ 'ጸሮ ኣነ ኣፍቃሪኺ
ምስ ንብዓት ምስ እህህታይ ዋላ እናርኣኽኒ ዳር ትርኢተየ
ይመስለኪ ኮን ይኸውን ዝፈግድ ዝቐብጽ ዝህብ ኢደየ
ኣፍቂረ እንድየ ሓንሳብ ኣፍቂረ እንድየ
ከመየደይ 'ቢለ ኣንቲ ኽጸልእ
ኣይሕለልን'የ ፍጹም ኣይሕለልን
ኣነስ ኣይርብርብን ይቕረ ይቕረ ምባል
እዎ.ይ ኣነ ምሩኽ እንድየ ምሩኽ ናይ ፍቕሪ ብገዛእ ፍታወይ
እህ.ም ቅጭጭ ከይበለኪ ሓይልኺ ተርኢኒ ክትጭክኒ ሰበይ
እዎ.ይ እናመረረኒ ግፍዒ ልዕሊ ዓቐን ልዕሊ ዓቐን ኮይኑ
እህ.ም ከርእየኪ መንፈሰይ 'ቲ ቕኑዕ መንፈስ ከቶ ከምዘይዓኑ
ናይ ኢድኪ ንምምላስ ንዓይ ከመይ ጌሩ ንዓይ ክጠፍኣኒ
ዘይትቕበጺ ኾይንኪ ፍቕረይ ጭካነኺ ህልኽ ኣትሒዙኒ
ትንብዓተይ ክዕው ዝርው ከም ፈልፋሊ ዓይኒ ማይ ኮይኑ
ከርእየኪ'የ ፍቕረይ ፍቕሪ ከም ዘቡቅል ከም ማይ መስኖ ኾይኑ
እናመጸጽክንስ መዓረየ
እናዓርዓርክንስ ምቅርተየ
ተሳዒረ ኣኽሊለይ ዝደፍኦ ኣነ ኣፍቃሪኺ
እናንባዕኽንስ ዘለላየ
እናቐዘኽንስ ደሓነየ
ባሕሪ ኾይነ ጭካነኺ 'ጸሮ ኣነ ኣፍቃሪኺ
ማንም ዘይፈቕዶ ብደውካ ኽትውቃዕ
ከርእየኪ ኢየ ኣነ ብደስታ ምውጻዕ
ከም ጻዕሪ ናይ ሓራስ ከም ዝሓልፍ ኣሚነ
ክሳብ ፍቕሪ ዝውለደለይ ከርእየኪ ኢየ ኣነ
ከርእየኪ ኢየ ኣነ
Поcмотреть все песни артиста
Other albums by the artist