Kishore Kumar Hits

Tesfalem Arefaine Korchach - Rekibeyo lyrics

Artist: Tesfalem Arefaine Korchach

album: Siereki Alem


ረኺበዮ ኩሉ ዝምነዮ
ረኺበዮ ኩሉ ዝትምነዮ
ዝተረፈ የለን ዝህንጠዮ
ረኺበዮ ኩሉ 'ቲ ዝደልዮ
ብዘይ መግቢ ከርሰይ ተጽግብዮ
ብዘይ ብርሃን ዓይነይ ተብርህዮ
ብዘይ ድምጺ እዝነይ ተስምዕዮ
ብዘይ ክንፊ ነብሰይ ተብርርዮ
ከም ዳዕሮ ትኾኒ ጽላልኪ ትህብኒ
ከም ጸሓይ ትኾኒ ከተሟምቕኒ
ዝያዳይ ካባኺ እንታይ ጎዲልኒ
ምቅርተይ ካባኺ እንታይ ጎዲልኒ
መልክዕ ተይልካ ንስኺ ዋንኡ
ጠባይ ተይልካ ምሳኺ መሊኡ
ጸጽቡቑ ምሳኺ ዶኪኑ
'ዚ ህይወተይ ሰፈር ሩፍታ ኾይኑ
ረኺበዮ ዝምነዮ
ረኺበዮ ዝትምነዮ
ረኺበዮ ዝህንጠዮ
ረኺበዮ 'ቲ ዝደልዮ
ረኺበዮ ረኺበዮ
ረኺበዮ ኩሉ ዝምነዮ
ረኺበዮ ኩሉ ዝትምነዮ
ዝተረፈ የለን ዝህንጠዮ
ረኺበዮ ኩሉ 'ቲ ዝደልዮ
ሓቀይ እንድየ መልኣኸይ ክብለኪ
ብዘይ ክንፊ እንታይ ይጎድለኪ
ሓቀይ እንድየ ንግስተይ ክብለኪ
ብዘይ ዝፋን እንታይ ይጎድለኪ
ምሳኺ ለጊበ እንታይ ተሳኢኑ
ሩፍታን ቅሳነትን ዋና በይነይ ኮይኑ
ሰሓቕን ፍሽኽታን ናባይ ተወጊኑ
ሓጎስን ፍሽኽታን በቃ ናተይ ኮይኑ
ወትሩ ተስፋይ ኢኺ ከም ወጋሕታ
ወትሩ ሓላል ኢኺ ከም ፍሽኽታ
ወትሩ ህይወት ኢኺ ከም ትርግታ
ወትሩ ሓጎስ ኢኺ ከም እምብልታ
ረኺበዮ ዝምነዮ
ረኺበዮ ዝትምነዮ
ረኺበዮ ዝህንጠዮ
ረኺበዮ 'ቲ ዝደልዮ
ረኺበዮ ረኺበዮ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists