Kishore Kumar Hits

HoneyBee. - Xmblalie (ጽምብላሊዕ) lyrics

Artist: HoneyBee.

album: Xmblalie (ጽምብላሊዕ)


ጽምብላሊዕ
ብጽምብላሊዕዶ ክምስለኪ
ባይታ እና ኸደነት ዘይተማሙቕ ኣካላ
ኣነ እና ኣፍቕርኩኺ ናብ ዘየፍቀሩኺ ትሰሊ
ሓሚምኪዶ ጽሉል ፍቕሪ
በደልኪ በዚሑ ብይቕረ ምባል ረብሪበ
ሽሕ እንተ ጸላእኩኺ ክልተ ሽሕ የፍቕረኪንዴ
ፈተና ድዩ ፍቕሪ ይገርመኒሎ በጃኺ
ከመይ ጌረየ ክሕዘኪ
መልክዕክን ግርማኽን ይመርሓኪሎ ናብ ጌጋ
ንዓይ ሸመመኒ ኣብ ዘይፈልጦ ሓደጋ
ካብ ኩሉ መደበይ ኣጎናዲብክኒ
ፍቕሪ ፍቕሪ ክጻወት ጸሓይ ዓሪብኒ
ባህጊ ልበይ ዓይነይ ኣይተንብዒ ቐኒኤኳ ልበይ ቐሊዮ
ተቓጺለ ነዲደ ብፍቕሪ ዝኽምስምስ ክንደይ ትኽእልዮ
ጽንብካሊዕ ጻዕዳ ጻዕዳ
ዋይ ክጽብቕ ዚ ክሳዳ
ዘመርኩላ ትማል ብህጻነይ
መሰልኩላ ሎሚ ኣብ ጸገመይ(2)
መኒኽዮ ዲኺ ነዚ ሑቕፎይ
ብሰንክኺ ወዲኤ ዘብዘበይ
ንሰሙንዶ ክኸይድ ኣርሒቐ
ከይስበለኪ እንዶሞ ፈሪሐ
ጽምብላሊዕ ጻዕዳ ጻዕዳ
ዋይ ክጽብቕ ዚኽሳዳ
ዘመርኩላ ትማል ብህጻነይ
መሰልኩላ ሎሚ ኣብ ጸገመይ
ጽምብላሊዕ ካብ ፈለማ ኣባ ጮጎራ ነበርኪ
ኣሹንኳይ ዝግደሱልኪ ኣይነበሩን ዝግደሱልኪ
ሎሚ ግን ዓሰሉኺባ ዕስለ እንስሳ መሲሎም
ዋናኺ ከረሱዑኺ የስምዑኺሎዉ ቓሎም
የስምዑኺለዉ ቓሎም(4)
ኣለኹኺባ ኣልዓልኩኺባ
ነታ ዕምበባ ክሳብ ትመስሊ
ኣይተጸበኹዎን ዚ ኹሉ ግዜ
መልክዕኪ ክስዕሮ ንሕልናኺ
ዕድመ መልክዕ ክንዲ ቑጽሪ ኣጻብዕ
ረጋፊዩ ዚ ናይሎሚ ጭልቅዕ
ግደፊባ ኣይተእትዊ ጓና
ንሓዋሩ ከይበዝሕ ዕዳና
ግጥምን ዜማን መንግስተኣብ ገብረገርግሽ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists