Kishore Kumar Hits

Tsehaytu Beraki - Kabacha Meflayey lyrics

Artist: Tsehaytu Beraki

album: Selam


ካባኻ ምፍላይ ብዙሕ የሕዝነኒ
ዝሰምዕዎ ኣፍቀርተይ ሓሳዊት ጠላም ከይብሉኒ
ምስ መን ኔርኪ ኢሎም እንተሓተቱኒ
ሽምካ ክዝክሮ ኣይክእልን'የ ኣንታ ብርሃን ዓይኒ
ተጋጊኻ ተጋጊኻ ኣይትኹን ዘዋር ዓይኒ
ኣይትቐንእን ዲኻ መሓዙትካ ርኢኻ
ኣይትቐንእን ዲኻ መሳቱኻ ርኢኻ
ወይሲ መሕለፊ ጊዜ ካልእ ኣፍቂርካ ኢኻ
ተመለስ ፍቕረይ ፍቕርና ዘክሮ
ኣብ ዓለም የሎን ዘይሓስብ ዘይገርሞ
ተመለስ ፍቕረይ ፍቕርና ዘክሮ
ኣብ ዓለም የሎን ዘይሓዝን ዘይገርሞ
ዓርበ-ሮቡዕ ግመ ደብረ-ቢዘን ካፋ
ሓንሳብ ሰዓመኒ ስዕሚ ናይ ሓለፋ
ኣይርስዖን ኢየ ጠባይካ ባህርኻ
ኣይርስዖን ኢየ ጠባይካ ባህርኻ
ሓንሳብ ሰዓመኒ ክሳደይ ጠዊኻ
ተጋጊኻ ተጋጊኻ ኣይትኹን ዘዋር ዓይኒ
ተጋጊኻ ተጋጊኻ ኣይትኹን ዘዋር ዓይኒ
ኣይትቐንእን ዲኻ መሓዙትካ ርኢኻ
ኣይትቐንእን ዲኻ መሳቱኻ ርኢኻ
ወይሲ መሕለፊ ጊዜ ካልእ ኣፍቂርካ ኢኻ
ተመለስ ፍቕረይ ፍቕርና ዘክሮ
ኣብ ዓለም የሎን ዘይሓስብ ዘይገርሞ
ተመለሲ ማማ ፍቕርና ዘክሮ
ኣብ ዓለም የሎን ዘይሓስብ ዘይገርሞ
ቀላይ ባሕሪ መረባዕ ዘይከድኖ
ኣታ ንፍቕሪ እምበር ንሞት'ዶ እሕዘኖ
እውይ ቀላይ ባሕሪ መረባዕ ዘይከድኖ
ኣታ ንኑሮ እምበር ንሞት'ዶ እሕዘኖ
ተጋጊኻ ተጋጊኻ ኣይትኹን ዘዋር ዓይኒ
ኣይትቐንእን ዲኻ መሓዙትካ ርኢኻ
ኣይትቐንእን ዲኻ መሳቱኻ ርኢኻ
ወይሲ መሕለፍ ጊዜ ካልእ ኣፍቂርካ ኢኻ
ተመለስ ፍቕረይ ፍቕርና ዘክሮ
ኣብ ዓለም የሎን ዘይሓስብ ዘይገርሞ
ተመለስ ፍቕረይ ፍቕርና ዘክሮ
ኣብ ዓለም የሎን ዘይሓስብ ዘይገርሞ
ካባኻ ንምፍላይ ብዙሕ የሕዝነኒ
ዝሰምዕዎ የሕዋተይ ሓሳዊት ጠላም ከይብሉኒ
ምስ መን ኔርኪ ኢሎም እንተሓተቱኒ
ሽምካ ክገልጾ ኣይክእልን'የ ኣንታ ተኽለ ወይኒ
ተጋጊኻ ተጋጊኻ ኣይትኹን ዘዋር ዓይኒ
ተጋጊኻ ተጋጊኻ ኣይትኹን ዘዋር ዓይኒ
ኣይትቐንእን ዲኻ መሓዙትካ ርኢኻ
ኣይትቐንእን ዲኻ መሰቱኻ ርኢኻ
ወይሲ መሕለፍ ጊዜ ካልእ ኣፍቂርካ ኢኻ
ተመለስ ፍቕረይ ፍቕርና ዘክሮ
ኣብ ዓለም የሎን ዘይሓስሞ ዘይገርሞ
ኣነስ ተጣዒሰ ንስኻ'ውን ተጠዓስ
ኣነስ ተጣዒሰ ንስኻ'ውን ተጠዓስ
ሓሳብካ ኣይኹን ብላዕሊ ምብኣስ
ሓሳብካ ኣይኹን ብላዕሊ ምብኣስ
ተጋጊኻ ፍቕረይ ፍቕርና ዘክሮ
ኣብ ዓለም የሎን ዘይሓዝን ዘይገርሞ
ተጋጊኻ ፍቕረይ ፍቕርና ዘክሮ
ኣብ ዓለም የሎን ዘይሓዝን ዘይገርሞ
ዓርበ-ሮቡዕ ግመ ደብረ-ቢዘን ካፋ
ዓርበ-ሮቡዕ ግመ ደብረ-ቢዘን ካፋ
ስዮማይ ሓለንጋይ ኣበይ ኢኻ ተሪፍካ
ከመይ ኢለ ክርስዖ ናይ ክልቴና ፍቕሪ
ትረኣየኒ ኣለኻ ብሕጊ ብኽብሪ
ከመይ ጌረ ክርስዖ ናይ ክልቴና ፍቕሪ
ትረኣየኒ ኣለኻ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ
ተጋጊኻ ተጋጊኻ ኣይትኹን ዘዋር ዓይኒ
ተጋጊኻ ተጋጊኻ ኣይትኹን ዘዋር ዓይኒ
ኣይትቐንእን ዲኻ መሓዙትካ ርኢኻ
ኣይትቐንእን ዲኻ መሰቱኻ ርኢኻ
ወይሲ መሕለፍ ጊዜ ካልእ ኣፍቂርካ ኢኻ
ወይሲ መሕለፍ ጊዜ ካልእ ኣፍቂርካ ኢኻ
ተመለስ ፍቕረይ ፍቕርና ዘክሮ
ኣብ ዓለም የሎን ዘይሓዝን ዘይገርሞ
ተመለስ ፍቕረይ ፍቕርና ዘክሮ
ኣብ ዓለም የሎን ዘይሓዝን ዘይገርሞ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists