Kishore Kumar Hits

Solomie Mahray - Seb Mikhwaney lyrics

Artist: Solomie Mahray

album: Qana Susatat (Eritrean Music)


ሰብ ሙኻነ ሰብ ሙኻነ
ኣብ ዓለም ክነብር
ምኽኣሉ ምስኣነ
ሓጥያት ካባና
ነስግሮ ናብ ሕነ
ጌጋ'ውን ካባና
ናይ መሬት ፈተነ
ኣብ ምዉቕ ገዛና
ምስ ንኣሽቱ ኣሕዋትና
ሕያዎት ስድራና
ምስ ኩሎም ንሳነ
ካብ ሓመድ ናብ ሓመድ ኢዩ ኩሉ ሰብ
ኣብ ሓመድ ይበሊ
ወይ ይኽሰብ ወይ ይኽሰር
ይኣርግ ይምሽምሽ
ክሳብ'ታ መዕረፊ
ጽቡቕ ታሪኽ ኢዩ
ምስ ስእሉ ተራፊ
ውሑድ ዝዕድሜና
ነበርቲ እመስለና
ኣስከሬን ምስ ኮንና
ኣብ ሳንዱቕ ስፍራና
ኣብ መሬት ከለና ንስጋ ብስጋ
ንዕሰብ ብዋጋ
ናይ ሓጥያትና ጌጋ
ጨሪስና ኽንመውት
ካብ ዓለም ክንፍለ
ቀባሮ ይበዝሑ
ሬሳ ምስ ነቐለ
ህሉዋት ከይሞትና
ናይ ኣምላኽ ፍርድና
ካብ ኣዳም ጀሚሩ
ብሞት ዕረፍትና

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists