Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Demika Werhi lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Bnatsenet Wegiha Meriyet (Eritrean Music)


ላሎ ላሎየ ላሎ
ኣስመራ ዓደይ ዘይረኣየ ደሎ?
ሰዊት ስገም ግርማ ዝዓሰሎ
እኽሊ ዓደይ ዘይጠዓመ ደሎ?
እቲ ቐደም ከም ሎሚ ኸይኮነ
ወዲ ሃገር ከይተበታተነ
እወ ሎሚ ከም ሎሚ ኸይኮነ
ወዲ ሃገር ከይተበታተነ
ጥዑም ነይሩ እዋኑ ዝመቀረ
ኮታ ሽሻይ እኽሊ ዝዓመረ
ተመሊሱ'ዩ እንሆ ሎሚ'ውን
ከምቲ ቐደም ዝነበረ ክኸውን
ተመሊሱ'ዩ እንሆ ሎሚ'ውን
ከምቲ ቐደም ዝነበረ ክኸውን
ተቓሊስና እወ'ቲ ዝሓለምናዮ
ጋህዲ ኾይኑ ሎሚ ረኺብናዮ
ደሚቓ እወ ወርሒ በሪሁልና ምሸት
ጸሓይና በሪቓ ተወሊዓ'ያ መሬት
ደሚቓ እወ ወርሒ በሪሁልና ምሸት
ጸሓይና በሪቓ ተወሊዓ'ያ መሬት
ላሎ ላሎየ ላሎ
ኣስመራ ዓደይ ዘይረኣየ ደሎ?
ሰዊት ስገም ግርማ ዝዓሰሎ
ዑቕባ ዓደይ ዘይጠዓመ ደሎ?
ጠንቂ ሕሰም ናይ ጥፍኣት ፈተነ
መግዛእትነት ከም ትኪ በነነ
ጠንቂ ሕሰም ናይ ጥፍኣት ፈተነ
መግዛእትነት ከም ትኪ በነነ
ሓለንጊ ኹርማጅ በትሪ ስምብራቱ
ተበቲኹ'ዩ ሓጺን ሰንሰለቱ
እወ ቔናን ናይ ታሪኽ ትንተና
ተኸሺሑ'ዩ ናይ ሓሶት ጽገና
እወ ቔናን ናይ ታሪኽ ትንተና
ተኸሺሑ'ዩ ናይ ሓሶት ጽገና
በትሪ ሓቂ ህዝባዊ ቅባጾ
ይቐጥን እምበር ኣይክስበርን ከቶ
እላሊላሊላላ ላላላ ላላ ላላላ
ደሚቓ እወ ወርሒ በሪሁልና ምሸት
ጸሓይና በሪቓ ተወሊዓ'ያ መሬት
ደሚቓ እወ ወርሒ በሪሁልና ምሸት
ጸሓይና በሪቓ ወጊሓ'ያ መሬት
ላሎ ላሎየ ላሎ
ኤርትራ ዓደይ ዘይረኣየ ደሎ?
ሰዊት ስገም ግርማ ዝዓሰሎ
እኽሊ ዓደይ ዘይጠዓመ ደሎ?
እቲ ቐደም ከም ሎሚ ኸይኮነ
ወዲ ሃገር ከይተበታተነ
እወ ሎሚ ከም ሎሚ ኸይኮነ
ወዲ ሃገር ከይተበታተነ
ጥዑም ነይሩ እዋኑ ዝመቀረ
ኮታ ሽሻይ እኽሊ ዝዓመረ
ተመሊሱ'ዩ እንሆ ሎሚ'ውን
ከምቲ ቐደም ዝነበረ ክኸውን
ተመሊሱ'ዩ እንሆ ሎሚ'ውን
ከምቲ ቐደም ዝነበረ ክኸውን
ተቓሊስና እወ'ቲ ዝሓለምናዮ
ጋህዲ ኾይኑ ሎሚ ረኺብናዮ
ደሚቓ እወ ወርሒ በሪሁልና ምሸት
ጸሓይና በሪቓ ወጊሓ'ያ መሬት
ደሚቓ እወ ወርሒ በሪሁልና ምሸት
ጸሓይና በሪቓ ወጊሓ'ያ መሬት
ንዒ ዑፈይ ብረሪ
ንዓለም ንገሪ
መጋረጃ መግዛእቲ
ተቐንጢጡ ለይቲ
ወርሒ ብድምቀታ
ወሊዓቶ ባይታ
ጸሓይና በሪቑ
ልብና ሓንቂቑ
ዕልል በላ ኣንስቲ
ተመሊኡ ርስቲ
ሎሚ ኣይኮነን ዓሚ
ተፈቲሑ ሕልሚ
ወለዲ ጀጋኑ
ሎሚ ተሓበኑ
ሕነ ናይ ትማሊ
ኣደ ዕልል በሊ
ወርሒ ብድምቀታ
ወሊዓቶ ባይታ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists