Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Hagerey lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Aykonen Oromay (Eritrean Music)


ኣብ መረተይ ዝቦቑል ጽቡቕ ዕምበባታት
ዓበይትን ናእሽቱን ኣኽራናት ጎቦታት
ርኢኻ ኣይጽገብን ናይ ሓጎስ ሰዓታት
ወርቒ እናፈልፈለ ኻብ ለዋህ መረተይ
ወደባት ከለኒ ምስ ኩቡራት ዑንቀይ
ኣነ'ዶ ምሰኣንኩ ምስ'ዚ ኩሉ ሃብተይ
ዘይሃስስ ብርሃን ዘይድብን ጸሓይ
በብዓይነቱ ኣእካል ጣፍ ስገም ስርናይ
ኣብቲ ልምሉም መሬት ፈልፋሊ ጽሩይ ማይ
ምስ ለሚን ብርቱኳን ዘቢብ ዝበቁሎ ወይኒ
ሰፊሕ ዓቢ መሬት ዘይጥመት ብዓይኒ
ወደባት ኣለዉና ከም ኩቡር ዑንቂ እምኒ
ጸባ መዓር ወለላ ኣብ ቅድመይእናተሓልበ
ሃብታም'ዩ መሬተይ ዕንበባ ዝተጎልበበ
ኣነ'ዶ ምጠመኹ ጉድ እምበር ረኺበ
ብኣየር ብባሕሪ ብመሬት ኣቢሉ
ናብ ወጻኢ ሃገር ተሰዲዱ ኹሉ
ጾመይ ኣሕዲሮምኒ ጨካናት ቶኻሉ
ዘይውዳእ ሕልሚ ዘይወግሕ ለይቲ
ሓጋይ ብዘይ ጸሓይ ብዘይ ማይ ክረምቲ
ኣይሓርስ ኣይቁጥቁጥ ወትሩ ናብ ማእሰርቲ
መሬተይ ዘፍረዮ ሰዊት ናይ ግራተይ
ፈልፊሎም ዝወጹ ማዕድን ወደባተይ
ጋኖት ይበልዕሉ ሞሶባት ናይ ኣደይ
ከም ሰብ ትፈጢረ ቦታ ተዋሂቡኒ
ሰሪሖም ዘናብሩ ዓይነብርኪ ኣለዉኒ
ግና ኣይኮነለይን መግዛእቲ መሪሩኒ
ሓጋይን ክረምትን ኩሉ ሓደ ኮይኑኒ
ኣይዘርእ ኣይዓጽድ ዕድል ሃዲሙኒ
ድጉል ፍሓም ኮይኑ ረመጽ ሓሙኹሽቲ
ሓኪም ዘይኽእሎ ሕማም ውሽጢ ዉሽጢ
ስጋይ ወዲእዎ ኣትሪፉኒ ኣዕጽምቲ
ብኽያተይ ንብዓተይ ኣውያተይ ዘይስማዕ
መኣዲ ገዛና ብጋኖት ክብላዕ
ህድሞና ጠፊኡ ንፋስ ኣእቲዉልና
ዘይዉዳእ ሕልሚ ዘይወግሕ ለይቲ
ሓጋይ ብዘይ ጸሓይ ክረምቲ ብዘይ ማይ ክረምቲ
ኣይሓርስ ኣይቑጥቑጥ ወትሩ ናብ ማእሰርቲ
መሬተይ ዘፍረዮ ሰዊት ናይ ግራተይ
ፈልፊሎም ዘይወጹ ማዕድን ወደባተይ
ጋኖት ይበልዕሉ ሞሶባት ናይ ኣደይ።

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists