Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Aykonen Oromay lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Aykonen Oromay (Eritrean Music)


ኣይኮነን እሮማይ
ሓወይ ቅንጣብ ዓጽመ ስጋይ
ሰበይይይይይይ
ኣይቀሰነን ከማይ(2)
ግዜ ፈሪድዎ ዝተባታተነ
ተወሊዱ ከብቅዕ ቦታ ዝሰኣነ
ተዝእከብ ነይሩ ግን ብሓደ
ከም ንህቢ
ኣይምሰኣነን መሬት ናይ ኣቦታት
ክብሪ።
ኣይቀሰንካን እወ ከማካ'ውን ኣነ
ኣንታ ተንፋቀር ሓወይ ተንሳነ
ምተበትከ ነይሩ ናይ ሓጹር ሰንሰለት
ዝሰመረ የእዳው ግድን ኢዩ ክዕወት
መን ኣሎ ዝቀሰነ ስደት ዝመቀሮ (2)
እንጀራ ዕዳጋ ሓሞት ዘይሞሮሮ (2)
ሓወይ ቅንጣብ ዓጽመ ስጋይ
ሰበይይይይይይ
ኣይቀሰነን ከማይ(2)
ፈትሊ ውን እንተ ኮነ ኣዝዩ ዝፈኮሰ
ኣንበሳ'ዩ ዝኣስር ሓቢሩ ምስ ተፋሕሰ፡
ትርጉም ዓወት ድማ ቀንዲ ቁምነገሩ
ኣሕዋት ደቂ ሃገር ጸላኢ ከባርሩ።
ሕልናካ ኣይተድክም ኣይኮነን እሮማይ
ጌና ግዜ ኣለካ ኣይዓረበትን ጸሓይ፡
ሰላም ኣብ ውሽጥካ ምስ ተረክበ ሓድነት
ሽዑ'ዩ ዓወትካ ራህዋ ምስ ቅሳነት።
መን ኣሎ ዝቀሰነ ስደት ዝመቀሮ (2)
እንጀራ ዕዳጋ ሓሞት ዘይሞሮሮ (2)
ሓወይ ክንጣብ ዓጽመ ስጋይ
ሰበይይይይይይ
ኣይቀሰነን ከማይ (2)
ኣይቀሰንካን እወ ከማካ'ውን ኣነ
ኣንታ ተንፋቀር ሓወይ ተንሳነ፡
ምተበትከ ነይሩ ናይ ሓጹር ሰንሰለት
ዝሰመረ የእዳው ግድን ኢዩ ክዕወት።
ሕልናካ ኣይተድክም ኣይኮነን እሮማይ
ጌና ግዜ ኣለካ ኣይዓረበትን ጸሓይ፡
ሰላም ኣብ ውሽጥካ ምስ ደልደለ ሓድነት
እዚ'ዩ ዓወትካ ራህዋ ምስ ቅሳነት።
መን ኣሎ ዝቀሰነ ስደት ዝመቀሮ (2)
እንጀራ ዕዳጋ ሓሞት ዘይሞሮሮ (2)
ኣይጡዑሙን'ዩ ስደት መሰረቱ
ይርሓቅ ይቅረብ ኮታ በቢ ናቱ
መሳምር ኣለዎ ኣብ ዓጽምካ ዝኣቱ
ኣደራዕ?????? ኩርካሕ ምድርቤቱ። (2)
ሓሪስካ ዘሪእካ ዓጺድካ ክትሓፍስ(2)
ጡዑም ሽታ ናጽነት ኣየር ከተተንፍስ
??????????????????????????
ኣይጡዑሙን'ዩ ስደት መሰረቱ
ይርሓቅ ይቅረብ ኮታ በቢ ናቱ
መሳምር ኣለዎ ኣብ ዓጽምካ ዝኣቱ
ኣደራዕ????? ኩርካሕ ምድርቤቱ። (2)
ጽሕፈት ብ/ጽጋብ ኣንገሶም

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists