Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Lula lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Aykonen Oromay (Eritrean Music)


ምሳይ ዝነበረት ብፍቅሪ ሓቢራ
ሓደ ወሲዱለይ ረኺበ መከራ
ብሓይሉ ዘሪፍዋ ጭፍርኡ ሰዲዱ
ምሳይ ዝነበረት ወሲዱዋ ዓዱ
እንታዋይ ደፋር'ዩ መን'ዩ ዘሕድገኒ
ክንደይ'ከ ይጭክን ዓይነይ ዘንቁረኒ
ብሃንደበት ከይዳ ሰሊላ
ኣይፈለጥኩን ናበይ ከም ዘላ
ወሲዶምለይ ኣሕዲጎምኒ ስኢነያ ሉላ
ደሃያ ስኢነ ዘላቶ ጠፊኡኒ
ደልየ ስኢነያ ሰለሎ ኣትዩኒ
ኣደ ስድራ ነይራ በዓልቲ ቓል-ኪዳነይ
ተፈላሊና ግን ዘኽታማት ኮይኖም ደቀይ
በጃኹም ድለይዋ ደቃ ኸተዕቢ
ሓላዊ ዘይብሎም ከይነኽሶም ከልቢ
ብሃንደበት ከይዳ ሰሊላ
ኣይፈለጥኩን ናበይ ከም ዘላ
ወሲዶማ እምበር ኣሕዲጎምኒ እምበር ዘሪፎማ ሉላ
ብሃንደበት ከይዳ ሰሊላ
ኣይፈለጥኩን ኣበይ ከም ዘላ
ወሲዶምለይ ኣሕዲጎምኒ ስኢነያ ሉላ
ብሓዘን ተዋሒጦም ደቀይ ብናፍቖታ
ገፊሕ ዓራት ገዲፎም ደቂሶም ኣብ ባይታ
ሉላ እናበሉ ስማ ኽጽውዑ
ነዲኦም ስኢኖም ዘኽቲሞም ቆልዑ
ከየቕንእዎም መታን ቆልዑ ጎረባብቲ
ንሉላ ጸውዑለይ ናይ ገዛ መብራህቲ
ብሃንደበት ከይዳ ሰሊላ
ኣይፈለጥኩን ናበይ ከም ዘላ
ወሲዶምለይ ኣሕዲጎምኒ ስኢነያ ሉላ
ብሃንደበት ከይዳ ሰሊላ
ኣይፈለጥኩን ናበይ ከም ዘላ
ወሲዶምለይ የሕዲጎምኒ ስኢነያ ሉላ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists