Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Cira Feres lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Zemen (Eritrean Music)


ሰውነተይ ከም ፈትሊ ቐጢኑ
ኣካለይ ብፍቕርኺ ተኾኒኑ
ገጸይ ማዳ ወጺእዎ ማሲኑ
ይሓምዩኒ እናበሉ 'ታይ ኮይኑ
ገጸይ ማዳ ወጺእዎ ማሲኑ
ኩሉ ይሓምየኒ እናበለ 'ታይ ኮይኑ
ዘይሓመምኩ ይመስሎ ዘይፈለጠ
ግና ስጋይ ብኣኺ ምስ ተቐልጠ
ምስ ረኣየ ልበይ ከም ዝሓበጠ
ክኣምን'ዩ ህይወተይ ከም ተሸጠ
ምስ ረኣየ ልበይ ከም ዝሓበጠ
ክኣምን'ዩ ህይወተይ ከም ተሸጠ
ከምዚ 'ይኮንኩን ኔረ ብዓንተቦ
ፍቕርኺ መጽዩ ንደመይ ምስ ሰሓቦ
ብሰንክኺ ኣተኹ መጻብቦ
ሽዑ 'ንድየ ዝሰንኩ ሓቦ
ብሰንክኺ ኣተኹ መጻብቦ
ሽዑ 'ንድየ ዝሰንኩ ሓቦ
ዝፈልጠኒ ኩሉ ጋግይኒ
ንሱ ድዩ ኣይንሱን እናበሉኒ
ብዝሓለፍክዎ ጎደና
ተገምጢሎም ይጥምቱኒ
ሕልማ ጥዑም ተፈታዊት ወይኒ
ቆጽሊ ዓደስ ጥዑም ሽታ ለሚን
ነዋሕ ዘንጊ መዓንጠኣ ኽራር
ሰተ ሰምሃል ዘረባኣ መዓር
ጾግራ ነዊሕ ጭራ ፈረስ
ንየማን ንጸጋም ዝማላለስ
ዓይና ኩሑል ከዋኽብቲ
ቀትሪ ጸሓይ'ያ ወርሒ ለይቲ
ዝያዳ ኹለን ሕልፊ ማሓዙታ
ፈቃር ልቢ ብርሃን ስድራቤታ
መን ዘይብህጋ ንሕጸ ንመርዓ
ተፈታዊት ናይ ስድራቤት ሽምዓ
ጾግራ ነዊሕ ጭራ ፈረስ
ንየማን ንጸጋም ዝማላለስ
ዓይና ኩሑል ከዋኽብቲ
ቀትሪ ጸሓይ'ያ ወርሒ ለይቲ
ዑንቂ ባሕሪ ዘይትርከብ ብዋዛ
ጸሓይ ንግሆ ናይ ህይወት ማኣዛ
ብርቱኻን ከረን ምጩው መዓጉርታ
ክሳዳ ሰገን ሰዊት ኣጻብዕታ
ጾግራ ነዊሕ ጭራ ፈረስ
ንየማን ንጸጋም ዝማላለስ
ዓይና ኩሑል ከዋኽብቲ
ቀትሪ ጸሓይ'ያ ወርሒ ለይቲ
ጾግራ ነዊሕ ጭራ ፈረስ
ንየማን ንጸጋም ዝማላለስ
ዓይና ኩሑል ከዋኽብቲ
ቀትሪ ጸሓይ'ያ ወርሒ ለይቲ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists