Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Girma Ziasela lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Zemen (Eritrean Music)


ንዓኺ ዝሃበ ንመን ሂቡ ግርማ
ስጉምቲ ኣካይዳ ኣከዳድና
ልቦና ህያውነት እሩም ጠባይ
ቁንጅና መልክዕ ቅርጺ ኣፈላላይ
መግለጺ ኣይርከቦን መልክዓ
ኣብ ጸልማት ተብርህ ተወሊዓ
ግሉሓት ቃላታ ኣታኽልቲ ወይኒ
ዕምባባ መስከረም ጽቡቕ ደርጊ ስኒ
ብተፈጥርኡ ኩሑል ፈናጅል የዒንታ
ጸጉሪ ርእሳ ሃሪ ሰገን ኣጻብዕታ
ግሉሓት ቃላታ ኣታኽልቲ ወይኒ
ዕምባባ መስከረም ጽቡቕ ደርጊ ስኒ
ብተፈጥርኡ ኩሑል ፈናጅል የዒንታ
ጸጉሪ ርእሳ ሃሪ ሰገን ኣጻብዕታ
ደመና ቀዲዳ ከምትወጽእ ጸሓይ
ብማዕዶ ትልለ ከም ድሙቕ ኮኸብ ሰማይ
ንዓኺ ዝሃበ ንመን ሂቡ ግርማ
ስጉምቲ ኣካይዳ ኣከዳድና
ልቦና ህያውነት እሩም ጠባይ
ቁንጅና መልክዕ ቅርጺ ኣፈላላይ
መግለጺ ኣይርከቦን መልክዓ
ኣብ ጸልማት ተብርህ ተወሊዓ
ውሕልነትን ጽፈትን ንናብራ ንሓዳር
ኢንታ ዘይወጻ ወለላ መዓር
ፈታሊት ፈታጊት ጥልፊ ቅጭን ኩታ
ቂሐ ጽልሚ ስፈ ሞሶብ ቅርስታታ
ውሕልነትን ጽፈትን ንናብራ ሓዳር
ኢንታ ዘይወጻ ወለላ መዓር
ፈታሊት ፈታጊት ጥልፊ ቅጭን ኩታ
ቂሐ ጽልሚ ስፈ ሞሶብ ቅርስታታ
ሕማቕ ዘይወጻ ጥዕምቲ መኣዛ
ሓብሓቢት ስድራ-ቤት ዓምዲ ማእኸል ገዛ
ንዓኺ ዝሃበ ንመን ሂቡ ግርማ
ስጉምቲ ኣካይዳ ኣከዳድና
ልቦና ህያውነት እሩም ጠባይ
ቁንጅና መልክዕ ቅርጺ ኣፈላላይ
መግለጺ ኣይርከቦን መልክዓ
ኣብ ጸልማት ተብርህ ተወሊዓ
ዘይትነጽፍ ቀላይ ፈልፋሊት ዒላ ፍቕሪ
ወትሩ እትሕጎስ ምንም ዘይትኹሪ
ፈታዊት ብጻያ ከም ነብሳ ትሓሊ
ሕያወይቲ ርግቢት ንደቃ ትኣሊ
ዘይትነጽፍ ቀላይ ፈልፋሊት ዒላ ፍቕሪ
ወትሩ እትሕጎስ ምንም ዘይትኹሪ
ፈታዊት ሓዳራ ከም ነብሳ ትሓሊ
ሕያወይቲ ርግቢት ንደቃ ትኣሊ
ሕማቕ ዘይወጻ ጥዕምቲ መኣዛ
ሓብሓቢት ስድራ-ቤት ዓምዲ ማእኸል ገዛ
ንዓኺ ዝሃበ ንመን ሂቡ ግርማ
ስጉምቲ ኣካይዳ ኣከዳድና
ልቦና ህያውነት እሩም ጠባይ
ቁንጅና መልክዕ ቅርጺ ኣፈላላይ
መግለጺ ኣይርከቦን መልክዓ
ኣብ ጸልማት ተብርህ ተወሊዓ
መግለጺ ኣይርከቦን መልክዓ
ኣብ ጸልማት ተብርህ ተወሊዓ
መግለጺ ኣይርከቦን መልክዓ
ኣብ ጸልማት ተብርህ ተወሊዓ
መግለጺ ኣይርከቦን መልክዓ
ኣብ ጸልማት ተብርህ ተወሊዓ
መግለጺ ኣይርከቦን መልክዓ
ኣብ ጸልማት ተብርህ ተወሊዓ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists