Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Meriyetey lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Zemen (Eritrean Music)


ኣብ መሬት ዝበቁል ጽቡቕ ዕምባባታት

ዓበይትን ናኣሽቱን ኣኽራናት ጎቦታት

ርኢኻ ኣይጽገብን ናይ ሓጎስ ሰዓታት

ወርቂ እናፈልፈለ ካብ ለዋህ መሬተይ

ወደባት ከለኒ ምስ ኩቡራት ዑንቀይ

ኣነ'ዶ ምሰኣንኩ ምስ'ዚ ኹሉ ሃብተይ?

ዘይሃስስ ብርሃን ዘይድብን ጸሓይ
በብዓይነቱ ኣእካል ጣፍ ስገም ስርናይ
ካብቲ ልምሉም መሬት ፈልፋሊ ጽሩይ ማይ

ሙዝ ለይሙን ብርቱኳን ዘቢብ ዝበቑሎ ወይኒ
ሰፊሕ ዓቢ መሬት ዘይጥመት ብዓይኒ
ወደባት ኣለዉና ምስ ኩቡር ዑንቂ እምኒ

ጸባ መዓር ወለላ ኣብ ቅድመይ እናተሓልበ

ሃብታም ኢዩ መሬተይ ዕንባባ ዝተጎልበበ

ኣነ'ዶ ምጠመኹ ጉድ እምበር ረኺበ?

ብኣየር ብባሕሪ ብመሬት ኣቢሉ

ናብ ወጻኢ ሃገር ተሰዲዱ ኹሉ

ጾመይ ኣሕዲሮምኒ ጨካናት ተኻሉ

ዘይውዳእ ሕልሚ ዘይወግሕ ለይቲ
ሓጋይ ብዘይ ጸሓይ ብዘይ ማይ ክረምቲ
ኣይሓርስ ኣይቁጥቁጥ ወትሩ ናብ ማእሰርቲ

መሬተይ ዘፍረዮ ሰዊት ናይ ግራተይ
ፈልፊሎም ዝወጹ ማዕድን ወደባተይ
ጓኖት ይበልዑሉ መሶባት ናይ ኣደይ

ከም ሰብ ተፈጢረ ቦታ ተዋሂቡኒ

ሰሪሖም ዘናብሩ ዓይነ ብርኪ ኣለዉኒ

ግና ኣይኮነለይን መግዛእቲ መሪሩኒ

ጸሓይ ብርሃን ዓለም ሰላም ተፈልዩኒ

ሓጋይን ክረምትን ኩሉ ሓደ ኾይኑኒ

ኣይዘርእ ኣይዓጽድ ዕድል ሃዲሙኒ

ትርጉም ፈሓም ኮይኑ ረመጽ ሓሙኽሽቲ
ሓኪም ዘይኽእሎ ሕማም ውሽጠ ውሽጢ
ስጋይ ወዲእዎ ኣትሪፉኒ ሰቲ

ብኽያተይንብዓተይ ኣውያተይ ዘይስማዕ
መኣዲ ገዛና ብጓኖት ክብላዕ
ህድሞና ጠፊኡ ናታቶም ይውላዕ

ዘይውዳእ ሕልሚ ዘይወግሕ ለይቲ
ሓጋይ ብዘይ ጸሓይ ብዘይ ማይ ክረምቲ
ኣይሓርስ ኣይቁጥቁጥ ኩሉ ናብ ማእሰርቲ
መሬተይ ዘፍረዮ ሰዊት ናይ ግራተይ
ፈልፊሎም ዝወጹ ማዕድን ወደባተይ
ጓኖት ይበልዑሉ መሶባት ናይ ኣደይ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists