Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Ayresaekukn lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Zemen (Eritrean Music)


ኣንቢበየ ደብዳበኺ
በብሓደ ቃላቱ

ርእየዮ'ውን ስእልታትኪ
ኣፍዚዙኒ ምጥማቱ

ኣንቢበየ ደብዳበኺ
በብሓደ ቃላቱ

ርእየዮ'ውን ስእልታትኪ
ኣፍዚዙኒ ምጥማቱ
ኣየርኣኹን ግን ካብ ሰብ ሓቢአዮ
እንታይ'ከ ኽብል ባዕለየ ገይረዮ
እናንደደኒ ውሽጠይ እናተቓጸለ
ክኢለዮ ኣለኩ ሓሳበይ ሓዚለ

ሓቂ ኢዩ ኩሉ ዘረባኺ ዝኾነ
እርደኣኒ ኢዩ ኣይሰሓትኩዎን ኣነ

ኣይረሳዕኩኽን እንታይ ከሞ ኽብል
ኩነታል ሒዙኒ ካብ ወድ-ሰብ ዝሕይል
ካብ ወድ-ሰብ ዝሕይል
ኣይጸላእኩኽን ምስ ፈተኹኺ ሓንሳብ
ዕድል'ዩ ኣብዩኒ ተበቲኑኒ ሓሳብ

ተደለኹ'ውን ክርስዖ ቐቢጸ
ኣይድምሰስን ኢዩ ኣብ ደም ዝሰረጸ

ኣንቢበየ ደብዳበኺ

በብሓደ ቃላቱ

ርእየዮ'ውን ስእልታትኪ
ኣፍዚዙኒ ምጥማቱ
ኣንቢበየ ደብዳበኺ
በብሓደ ቃላቱ

ርእየዮ'ውን ስእልታትኪ
ኣፍዚዙኒ ምጥማቱ
ተደፋኒቐ ሕሉፍ ዘኪረዮ
ውሕጅ ንብዓተይ ከም ማይ ሰትየዮ
ኣይከኣልክዎን ምንባር ተነጺለ
ምልማድ ኣብዩኒ ፍጹም ተሓሊለ

ገደል ኮይኑኒ ዘይውጻእ ጸድፊ

መዓልታት ነዊሑ ለይቲ'ውን ኮይኑኒ ዕጽፊ
ዝጠዓምክዎ ዓንዴል ኮይኑኒ ዕረ
እቲ መዓር ጠባይኪ'ዩ ኣዝዩ ዝመቀረ
ኣዝዩ ዝመቀረ

ንስኺ ኢኺ ሽምዓ ጥዋፍ ናይ ህይወተይ
ወሃቢት ብርሃን ፋኑስ ናይ ደም ልበይ
ተፈታዊት ቆጽሊ ጽላል ዓባይ ዳዕሮ
ኣላይት ድኻመይ ከም ማይ ንጎረሮ

ኣንቢበየ ደብዳበኺ

በብሓደ ቃላቱ

ርእየዮ'ውን ስእልታትኪ
ኣፍዚዙኒ ምጥማቱ
ኣንቢበየ ደብዳበኺ

በብሓደ ቃላቱ

ርእየዮ'ውን ስእልታትኪ
ኣፍዚዙኒ ምጥማቱ
ተደፋኒቐ ሕሉፍ ዘኪረዮ
ውሕጅ ንብዓተይ ከም ማይ ሰትየዮ

እናንደደኒ ውሽጠይ እናተቓጸለ
ክኢለዮ ኣለኩ ሓሳበይ ሓዚለ

ሓቂ ኢዩ ኩሉ ዘረባኺ ዝኾነ
እርደኣኒ ኢዩ ኣይሰሓትኩዎን ኣነ

ኣይረሳዕኩኽን እንታይ ከሞ ኽብል
ኩነታል ሒዙኒ ካብ ወድ-ሰብ ዝሕይል
ካብ ወድ-ሰብ ዝሕይል
ኣይጸላእኩኽን ምስ ፈተኹኺ ሓንሳብ
ዕድል'ዩ ኣብዩኒ ተበቲኑኒ ሓሳብ
ተደለኹ'ውን ክርስዖ ቐቢጸ
ኣይድምሰስን ኢዩ ኣብ ደም ዝሰረጸ

ንስኺ ኢኺ ሽምዓ ጥዋፍ ናይ ህይወተይ
ወሃቢት ብርሃን ፋኑስ ናይ ደም ልበይ
ሕያወይቲ ቆጽሊ ጽላል ዓባይ ዳዕሮ
ኣላይት ድኻመይ ከም ማይ ንጎረሮ

ኣይጸላእኩኽን ምስ ፈተኹኺ ሓንሳብ
ዕድል'ዩ ኣብዩኒ ተበቲኑኒ ሓሳብ
ንስኺ ኢኺ ሽምዓ ጥዋፍ ናይ ህይወተይ
ወሃቢት ብርሃን ፋኑስ ናይ ደም ልበይ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists