Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Nafkot lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Zemen (Eritrean Music)


ብኡነት ናይ ብሓቂ እምብዛ ናፊቐ
ዘሕለፍክወን ዓመታት ምሳኺ ሓንቂቐ
እዝክረን ኣለኹ ጸሓይ ምስ በረቐ
ክሳብ ትዓርብ መሬት ብርሃን ናደመቐ
ኣይከኣልኩን ኣነ ጽምኢ ማይ ኮይንክኒ
ከናፍረይ ደሪቑ ንዒ 'ዛርብኒ
ኣይከኣልኩን ኣነ ጽምኢ ማይ ኮይንክኒ
ከናፍረይ ነቒጹ ሓንሳብ ሰዓምኒ

ካብ መሬት ናብ ሰማይ ክንዲ ዘሎ ርሕቀት
ከም ናይ ውቅያኖስ ከም ናይ ባሕሪ ዑምቀት
ሜዳ ልበይ ሰፊሕ'ዩ ብሓጹር ዘይዕገት
ብማዕዶ ዘይስፈር ብቐሊል????
ንዓኺ'ዩ ኹሉ ድላይኪ ጋልብሉ
ኣፍቂደልኪ'የ ኣነ ስምኪ ጸሓፍሉ
ሕረስዮ'ውን ኩሉ ዕምባባኺ ዝርእሉ
???? እዩ ሃየ ዓንድርሉ

ምንም ዘይልወጥ ከም ቁጽሪ ኽልተ
ረቢሑ ተደሚሩ ኩሉ ጊዜ ኣርባዕተ
ዓይነይ ኣይዝንብልን ንዓኺ ምስ ጠመተ
ልሳነይ ኣይቅይርን ሓንሳብ ምስ ሎከተ
ሰፊሕ ሜዳ ልበይ ፈረስ???
ሰጥ ዝበለ ጎልጎል'ዩ ገለ ዘይቦቖሎ
ንዒኺ'ዩ ኹሉ ከም ድላይኪ ጋልብሉ
ኣፍቂደልኪ'የ ኣነ ስምኪ ጸሓፍሉ

ከም ሓያል ክረምቲ ብርቱዕ ዝናብ ዘዝነበ
የዒንተይ ተጾሚቑ ምሒር እናተሓልበ
ብመሽረብ ንብዓተይ ገጸይ ተሓጺበ
ይኣኽለኒ 'ይበልኩን ናፍቖት ጸጊበ
ኣይከኣልኩን ኣነ ጽምኢ ማይ ኮይንክኒ
ከናፍረይ ደሪቑ ንዒ 'ዛርብኒ
ኣይከኣልኩን ኣነ ጽምኢ ማይ ኮይንክኒ
ከናፍረይ ነቒጹ ሓንሳብ ሰዓምኒ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists