Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Kemey Aleki lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Elamana Awet Wey Mot (Eritrean Music)


ከሜለኺ ዝናፍቐኪ ፍቕረይ
ኣቤሎኺ ዝናፍቐኪ ፍቕረይ
እኽለ ማይ ኣቢኒ ምስ ተረፍኩ ንበይነይ
ኣይወግሕን ኢሉኒ ጸቢቡኒ ዓቕለይ
መሬት ንርእሳ ኢላ ክትወግሕ ክጽበ
ኣሕሊፈዮ ጸልማት ሓሳብ ተጎልቢበ
መሬት ንርእሳ ኢላ ክትወግሕ ክጽበ
ኣሕሊፈዮ በይነይ ሓሳብ ተጎልቢበ
መዓልታት ነዊሑኒ ክጽብጽብ በብሓደ
ይሓልፈለይ ተበልኩ መሊሱ ዝገደደ
መሊሱ ዝገደደ
ጸዊዐኪ ነይረ ኣይሰማዕክንን ዓንተቦ
ኣብቲ እዋን ጽልግልግ ጸሓይ ዓራርቦ
ጸዊዐኪ ነይረ ኣይሰማዕክንን ዓንተቦ
ኣንቲ ጽላል ኣውሊዕ ጽላል ዓባይ ዳዕሮ
ኣየድሃብክለይን ኣይረኸብኩን ንዕድል
ሰላም እኳ ኽብለኪ ሰላም እኳ ኽብለኪ
ንደቓይቕ ከዕልል
ተሻቒለ እምበር ደሃይኪ ጠፊኡኒ
ሰሙናት ሓሊፉ ካብ ዘይትመጽኒ
ነገር ሓቂ ድዩ ወይስ መኒኽኒ?
ኣቤለኺ ዝናፍቐኪ ፍቕረይ
ከሜሎኺ ዝናፍቐኪ ፍቕረይ
እኽለ ማይ ኣቢኒ ምስ ተረፍኩ ንበይነይ
ኣይወግሕን ኢሉኒ ጸቢቡኒ ዓቕለይ
ክፉእኪ ኣይደልን ሕማም ድኻም ናትኪ
እጠራጠር ግና መኒኽኒ ዲኺ
ክፉእኪ ኣይጽበን ሕማም ድኻም ናትኪ
እጠራጠር ግና መኒኽኒ ዲኺ
ኣይትርሓቒ ካባይ ኣይትፈለይኒ
ኣይጥጥዕን ኢዩ ሓረግ ዘይብሉ ወይኒ
ሓረግ ዘይብሉ ወይኒ
ጸዊዐኪ ነይረ ኣይሰማዕክንን ዓንተቦ
ኣንቲ ጽላል ኣውሊዕ ጽላል ዓባይ ዳዕሮ
ጸዊዐኪ ነይረ ኣይሰማዕክንን ዓንተቦ
ኣብቲ እዋን ጽልግልግ ጸሓይ ዓራርቦ
ኣየድሃብክለይን ኣይረኸብኩን ንዕድል
ሰላም እኳ ኽብለኪ ሰላም እኳ ኽብለኪ
ንደቓይቕ ከዕልል
ሰንፈላል ጌርክኒ ጎቦ ልበይ ፈኸምታ
ሓሳበይ መዕረፊ ስኢነሉ ቦታ
'ቲ ኩናት ፍቕርኺ ኣይርከቦን'ዩ ዋልታ
ሰንፈላል ጌርክኒ ጎቦ ልበይ ፈኸምታ
ሓሳበይ መዕረፊ ስኢነሉ ባይታ
'ቲ ኩናት ፍቕርኺ ኣይርከቦን'ዩ ዋልታ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists