Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Meriruna Sidet lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Elamana Awet Wey Mot (Eritrean Music)


መሪሩኒ ናብራ ጸሊአዮ
ሓሳርን መከራን ምልማዱ ስኢነዮ
ወሪደ ደይበ ዓቐብ ቁልቁለቱ
ደኺመ ለፊዐ ከቢዱኒ ጽዕነቱ
መሪሩና'ወ ናብራ ጸሊእናዮ
ሓሳርን መከራን ምልማዱ ስኢንናዮ
ወሪድና ደይብና ዓቐብ ቁልቁለቱ
ደኺምና ለፊዕና ከቢዱና ጽዕነቱ
በሊሕ ጸጸር ዘይርገጽ ርሱን ባይታ ሓመዱ ረመጽ
ዓሻ ጎልጎል ዘየጽልል መኻን ክረምቱ ዘየጥልል
ዘይድፈር ምዉት ቀላይ ዘየምውቕ ሃሳስ ጸሓይ
ኣይተኻእለን መሪሩና ዑንቂ ኾይኑ'ወ ጸቢቡና
ትርጉሙ ህይወት ካብ መሰረቱ
እወ ምንባር'ዩ ትርፊ መቐረቱ
ምንባር ግን ከም ሰብ ኣብ ገዛእ መሬቱ
ሰላም ዝረኸበ ራህዋ ቕሳነቱ
ኣነ'ውን ከም ሰብ ሰበይ ከምኡ'የ ዝደሊ
ደኺመ ለፊዐ ስኢነ መጽለሊ
ደኺመ ለፊዐ ስኢነ መጽለሊ
ሽሕ'ኳ እንተኸፍአ እንተመረረ ስደት
መግዛእቲ'ዩ ሕሱም ኣብ መሬትካ ውርደት
ዕጥቂ ቓልስና ጸረ መግዛእቲ
ቦታ የብሉን ጥቕሚ ኣብ ቅድሚ መስዋእቲ
ኣብ ቅድሚ መስዋእቲ
መሪሩኒ ናብራ ጸሊአዮ
ሓሳርን መከራን ምልማዱ ስኢነዮ
ወሪደ ደይበ ዓቐብ ቁልቁለቱ
ደኺመ ለፊዐ ከቢዱኒ ጽዕነቱ
መሪሩና'ወ ናብራ ጸሊእናዮ
ሓሳርን መከራን ምልማዱ ስኢንናዮ
ወሪድና ደይብና ዓቐብ ቁልቁለቱ
ደኺምና ለፊዕና ከቢዱና ጽዕነቱ
በሊሕ ጸጸር ዘይርገጽ ርሱን ባይታ ሓመዱ ረመጽ
ገፊሕ ጎልጎል ዘየጽልል መኻን ክረምቲ ዘየጥልል
ዘይድፈር ምዉት ቀላይ ዘየምውቕ ሃሳስ ጸሓይ
ኣይተኻእለን መሪርና ዑንቂ ኾይኑ'ወ ጸቢቡና
ትርጉሙ ህይወት ካብ መሰረቱ
እወ ምንባር'ዩ ትርፊ መቐረቱ
ምንባር ግን ከም ሰብ ኣብ ገዛእ መሬቱ
ሰላም ዝረኸበ ራህዋ ቕሳነቱ
ኣነ'ውን ከም ሰብ ሰበይ ከምኡ'የ ዝደሊ
ደኺመ ለፊዐ ስኢነ መጽለሊ
ደኺመ ለፊዐ ስኢነ መጽለሊ
ሽሕ'ኳ እንተኸፍአ እንተመረረ ስደት
መግዛእቲ'ዩ ሕሱም ኣብ መሬትካ ውርደት
ዕጥቂ ቓልስና ጸረ መግዛእቲ
ቦታ የብሉን ጥቕሚ ኣብ ቅድሚ መስዋእቲ
ኣብ ቅድሚ መስዋእቲ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists