Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Bokry Ayney lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Elamana Awet Wey Mot (Eritrean Music)


ቦኽሪ ዓይነይ ልበይ ዓዳ
ኣጸናንዕኒ ንዒ ግዳ
ቦኽሪ ዓይነይ ልበይ ዓዳ
ኣጸናንዕኒ ንዒ ግዳ
ቀደም'ውን ተኾነ ጸገማት ኣጓኒፉኒ
ድኻም ከይጸብጸብኪ ተሓባቢርክኒ
ኣይርስዖን'የ ኣነ ኩሉ'ቲ ዝገበርክዮ
ሓወልቲ ገይረ'የ ኣብ ልበይ ኣምቢረዮ
ስለዚ ኸኣ'የ ሎሚ'ውን ተኾነ
ንዓኺ ዝደለኹ ኣነ በይነይ ኮይነ
ዝሓለፈ ጥዑም ዘይርሳዕ ዛንታ
ዝመቀረ ህይወት ናይ ፍቕሪ መባእታ
ቦኽሪ ዓይነይ ልበይ ዓዳ
ኣጸናንዕኒ ንዒ ግዳ
ቦኽሪ ዓይነይ ልበይ ዓዳ
ኣጸናንዕኒ ንዒ ግዳ
ኣይከኣልኩን ኣነ ክጸሮ መግረፍቲ
ሓለንጊ ጽምዋ ዝኸፍአ መቕጻዕቲ
ሓምቢስካ ዘይውጻእ ውቅያኖስ ሓሳብ
ኣጻምእ ምድረበዳ'ዩ ናይ ጽምዋ [?]
ስለዚ ኸኣ'የ ሎሚ'ውን ተኾነ
ጸሚኡኒ ፍቕሪ ኣነ በይነይ ኮይነ
ዝሓለፈ ጥዑም እናዳፋነቐኒ
ቆጽሊ ህይወት ኢኺ ኣጸናንዕኒ
ቦኽሪ ዓይነይ ልበይ ዓዳ
ኣጸናንዕኒ ንዒ ግዳ
ቦኽሪ ዓይነይ ልበይ ዓዳ
ኣጸናንዕኒ ንዒ ግዳ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists