Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Kttkelu Embaba lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Elamana Awet Wey Mot (Eritrean Music)


ድሕሪ ስቓይ ድሕሪ'ዚ ጸበባ
እሾኽ ክሞሖ'ዩ ኽትከል ዕምባባ
ድሕሪ ዓዛም ድሕሪ ኹሉ'ዚ ጸገም
ክርዳድ ኸልግስ'ዩ ካብ ስርናይ ካብ ስገም
ድሕሪ ስቓይ ድሕሪ'ዚ ጸበባ
እሾኽ ክሞሖ'ዩ ኽትከል ዕምባባ
ድሕሪ ዓዛም ድሕሪ'ዚ ኹሉ ጸገም
ክርዳድ ኸልግስ'ዩ ካብ ስርናይ ካብ ስገም
እወ ሰላም ራህዋ ምስ ቅሳነት
እወ ባና ጩራ ናይ ነጻነት

መግዛእቲ ዝፈጠሮ ራዕድን ሽበራን
ዕርቃን ጥሜት ጽምኢ ስደትን መከራን
መግዛእቲ ዝፈጠሮ ራዕድን ሽበራን
ዕርቃን ጥሜት ጽምኢ ውርደትን መከራን
ካብ ሱሩ ኽሞሖ ኪኖ ሓጹር ክድርበ
ሰናይ ዘመን ኮይኑ ዓወትና ቐረበ
መሬትና ዓምበበ

ኩርባ ገደል ሃው ዝበለ ጸድፊ
ሕሱም ናብራ ሓለንጊ ገራፊ

ደጊም የለን ምዪቕ ምባል ፍርሒ
ተወዲኡዩ ናይ መግዛእቲ ጉርሒ
ናይ መግዛእቲ ጉርሒ

ፍርዲ ቔናን ናይ ብሓሶት ካባ
ክትካእ'ዩ ብፍትሒ እንዳባ
እወ ሓቂ ጭቡጥ ዘይፍኖ
ደጊም የለን ቋሬጣ ልማኖ
ቋሬጣ ልማኖ

ወዲ ዓዲ ኣጆኻ ናጆኻ
ክፍታሕ'ዩ ዝነበረ ማሕለኻ
መጋረጃ ጸልማት ናይ መግዛእቲ
ክቕንጠጥ'ዩ ብርሃን ኮነ መዓልቲ
ወዲ ሃገር ኣጆኻ ናጆኻ
ክብተኽ'ዩ 'ነበረ ማሕለኻ
መጋረጃ ጸልማት ናይ መግዛእቲ
ክቕንጠጥ'ዩ ብርሃን ኮነ መዓልቲ
እወ ሰላም ራህዋ ምስ ቅሳነት
እንሆ ባና ጩራ ናይ ነጻነት

መግዛእቲ ዝፈጠሮ ራዕድን ሽበራን
ዕርቃን ጥሜት ጽምኢ ውርደትን መከራን
መግዛእቲ ዝፈጠሮ ራዕድን ሽበራን
ዕርቃን ጥሜት ጽምኢ ውርደትን መከራን
ካብ ሱሩ ኽሞሖ ኪኖ ሓጹር ክድርበ
ሳላ ሰራዊትናስ ዓወትና ቐረበ
መሬትና ዓምበበ

ኩርባ ገደል ሃው ዝበለ ጸድፊ
ሕሱም ናብራ ሓለንጊ ገራፊ
ደጊም የለን ምዪቕ ምባል ፍርሒ
ተወዲኡ'ዩ ሽጣራታት ጉርሒ
ናይ መግዛእቲ ጉርሒ

ፍርዲ ቔናን ናይ ሓሰውቲ ኻባ
ክትካእ'ዩ ብፍትሒ እንዳባ
እወ ሓቂ ጭቡጥ ዘይፍኖ
ደጊም የለን ቋሬጣ ልማኖ
ቋሬጣ ልማኖ

ብሳላኻ'ዩ ጅግና ዕጡቕ ወዲ
ወላዕ ሽምዓ ሓባሪ መገዲ
ሳላኻ'ወ ኣምበሳ በረኻና
ዕርዲ ሓጺን ዋልታ ናይ መሬትና

ንስኻ'ኻ ህዝባዊ ሰራዊት
ድሌት ሓፋሽ ብትብዓት ዘዐውት
ንስኻ'ወ ሰራዊት ሓርነትና
ዋልታ ህዝቢ ዕርዲ ናይ መሬትና

ኣሰይ ኣሰይ ኣነ ደስ ኢሉኒ
ማይ ጸሚአ ጸባ ናስቲኻኒ
ኣሰይ ኣሰይ ልበይ ተሓጎሰ
ደስ ኢሉኒ ቀሲነ ደቂሰ

ብሳላኻ'ዩ ጅግና ዕጡቕ ወዲ
ወላዕ ሽምዓ ሓባሪ መንገዲ
ሳላኻ'ወ ኣምበሳ በረኻና
ዕርዲ ሓጺን ዋልታ ናይ መሬትና

ንስኻ'ኻ ህዝባዊ ሰራዊት
ድሌት ሓፋሽ ብትብዓት ዘዐውት
ንስኻ'ወ ሰራዊት ሓርነትና
ዕርዲ ሓጺን ዋልታ ናይ ህዝብና

ኣሰይ ኣሰይ ኣነ ደስ ኢሉኒ
ማይ ጸሚአ ጸባ ናስቲኻኒ
ኣሰይ ኣሰይ ልበይ ተሓጎሰ
ደስ ኢሉኒ ቀሲነ ደቂሰ

ብሳላኻ'ዩ ጅግና ዕጡቕ ወዲ
ወላዕ ሽምዓ ሓባሪ መንገዲ
ሳላኻ'ወ ኣምበሳ በረኻና
ዕርዲ ሓጺን ዋልታ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists