Kishore Kumar Hits

Yemane Barya - Men Kwedadera lyrics

Artist: Yemane Barya

album: Elamana Awet Wey Mot (Eritrean Music)


ብርሃን ገጻ ባና ወርሒ
ልቦናኣ ቀላይ ጽፍሒ
ዓይና ፍሩይ ተጠማቲ
ግርማ ሰማይ ከዋኽብቲ
እወ ሰተ ሰምሃር ዕምበባ ጽጌሬዳ
ሓለንጋይ ቁሞታ ጽብቅቲ ኣካይዳ
ባሕሪ ይኹን ሩባ ፍጹም ዘይጋርዳ
ዕምበባ መስከረም ኤርትራ'ዩ ዓዳ
ጸጉሪ ርእሳ ሃሪ ሽምጣ ዝተጠቅለለ
ኣካላታ ስሩዕ ክሳዳ ብርለ
ደርጊ ስና ጽቡቕ ውቁጥ ጉራማይለ
ወይነይ ከናፍራ ዘቢብ ዘንጠልጠለ
ስዓመኒ ዝብል ሽኮር ካራሜለ
ጸሓይ ንግሆ መስትያት ባሕሪ
ቅርኒብ ዓይና ተወርዋሪ
ከምኣ የለን ዝወዳደር
መልክዕ ብጠባይ ብቁም ነገር
እወ ሓረግ ወይኒ ዕምበባ ጽጌሬዳ
ሓለንጋይ ቁመታ ጽብቅቲ ኣካይዳ
ባሕሪ ይኹን ሩባ ፍጹም ዘይጋርዳ
ዕምበባ መስከረም ኤርትራ'ዩ ዓዳ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists