Kishore Kumar Hits

Abraham Gebremedhin - Mesanytey lyrics

Artist: Abraham Gebremedhin

album: Habeney


መሳኒተይ ፍቕረይ መሳኒተይ
መሳኒተይ እወ መሳኒተይ
መሳኒተይ ማንዛይ መሳኒተይ
ናይ ብሕተይ ጸጋ ህያብ ስልማተይ
ከይፈርስ መታን መናድቕ ፍቕርና
ኣደልዲልና ንርገጽ ባይታ ቃልኪዳንና
ፍቕረይ ብሩረይ ምስጢር ፍቕርና
ፈጺምኪ ንጋና ከይትነግርዮ
መንፊት ማይ ክዓቁር ይትረፍዶ ብጋህዲ
ብሕልምኺ ውን ስጋብ ዘይረኣኽዮ
ፍቕረይ ሎሚ ውን እምነት ሰሪሕኪ
ፍቕረይ ምኽረይ ኣብ ልብኺ ኣእትውዮ
ሚዛን ፍቕሪና ብሌላን ጉሌላን
ከይዛዙ ድማ ጽንዒ ኣብ ዘለኽዮ
ፍቕረይ ከቶ ኣይትገደሲ
ናብ ቅናዕ ዝበሎ ይበል
ናይ ፍትሕ ግና ሓያል ዩ
ብዳእላ ዘይዕገት ማዕበል
ጥራይ ብሽፋን ፈታዊ
ሳልሳይ ከይኣቱ ኣብ ሞንጎና የ
ኣቃም ኪዳና ነደልድል
መትከል እምነትና ጸኒዕና
መሳኒተይ ፍቕረይ መሳኒተይ
መሳኒተይ ያው መሳኒተይ
መሳኒተይ ማንዛይ መሳኒተይ
ናይ ብሕተይ ጸጋ ህያብ ስልማተይ
ከይፈርስ መታን መናድቕ ፍቕርና
ኣደልዲልና ንርገጽ ባይታ ቃልኪዳንና
ፍቕረይ ብሩረይ ምስጢር ፍቕርና
ፈጺምኪ ን'ጋና ከይትነግርዮ
መንፊት ማይ ክዓቁር ይትረፍዶ ብጋህዲ
ብሕልምኺ ውን ስጋብ ዘይረኣኽዮ
ፍቕረይ ሎሚ ውን እምነት ሰሪሕኪ
ፍቕረይ ምኽረይ ኣብ ልብኺ ኣእትውዮ
ሚዛን ፍቕሪና ብሌላን ጉሌላን
ከይዛዙ ድማ ጽንዒ ኣብ ዘለኽዮ
ብሂወት ስጋብ ዘለና
ኣብ ምድሪ ኣብዛ ጠላም መሬት
ከም ኣብርሃምን ሳራን
መታን ክንከዉን ተምሳሌት
ሓወልቲ ህያው ፍቕርና
ኣብ ጭርሖ ልብና ሰቂልና ዮ
ኣብ ሰንኮፍ ከይንረግጽ ሓደራ
ብ ቤላቤለው ተዳህሊልና
ኣብ ሰንኮፍ ከይንረግጽ ሓደራ
ብ ቤላቤለው ተዳህሊልና
ከም ኣብርሃምን ሳራን
መትከል እምነትኩም ጽንዑ ድኣ እምበር ሰንሰለትኩም ህያው ንኸይስበር
ፍቕረይ ፍቅሪ በይነይ ኢኺ
መትከል እምነትና ንጽንዕ ድኣ እምበር
ሰንሰለትና ህያው ንኸይስበር
ኣብ ሰንኮፍ ከይትረግጺ ሰብ ዝበለ ይበል
ብዋዛ ዘይዕገት ሓያል ዩ ፍቕራዊ ማዕበል
ብናይ ቀናኣት ፍርዲ ቄናን ሚዛን ኣልቦ
ኣይትታሃመሊ ኪዳንና ኣለዎ ማዕልቦ
ፍቕረይ ኮኾበይ ጽሩራየ
ማሕለኻ ሎ ኣብ መስርዕ ናብራየ
ፍቕረይ ወርቃዊት ጽሩራየ
ኣስተበህሊኺ ሓደራየ
ፍቕረይ ዕንባባ ወለላየ
ማሕለኻ ሎ ኣብ መስርዕ ናብራየ
ኣብ ዘለኽዎ ለኽዎ ኣነ ፍቕረይ በይነይ
ኣብ ዘለኽዮ ጽንዕለየ
ኣብ ሰንኮፍ ከይትረግጺ ሰብ ዝበለ ይበል
ብዋዛ ዘይዕገት ሓያል ዩ ፍቕራዊ ማዕበል
ብናይ ቀናኣት ፍርዲ ቄናን ሚዛን ኣልቦ
ኣይትታሃመሊ ኪዳንና ኣለዎ ማዕልቦ
ፍቕረይ ኮኾበይ ጽሩራየ
ኣስተበህሊኺ ሓደራየ
ፍቕረይ ወርቃዊት ጽሩራየ
ማሕለኻ ሎ ኣብ መስርዕ ናብራየ
ፍቕረይ ኮኾበይ ጽሩራየ
ማሕለኻ ሎ ኣብ መስርዕ ናብራየ
ኣብ ዘለኽዎ ለኽዎ ኣነ ፍቕረይ በይነይ
ኣብ ዘለኽዮ ጽንዕለየ
ኣብ ሰንኮፍ ከይትረግጺ ሰብ ዝበለ ይበል
ብዋዛ ዘይዕገት ሓያል ዩ ፍቕራዊ ማዕበል
ብናይ ቀናኣት ፍርዲ ቄናን ሚዛን ኣልቦ
ኣይትታሃመሊ ኪዳንና ኣለዎ ማዕልቦ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists