Kishore Kumar Hits

Baheli Tigray - Welelo (feat. Solomon Haile) lyrics

Artist: Baheli Tigray

album: Tigrigna Music Collection 2015


ወለሎ'የ ወለሎ ወለሎ
ወለሎ'የ ወለሎ ወለሎ
ናተይ ዓዘራ ድዩ ዘብክነኪ ዘሎ
ዝገብረኪ ዘሎ ዘርሞ ዘርሞ
ዘርሞ ዘርሞ
ስውንዋኖ ስውንዋኖ
እሞ ኽገድፎ'ዶ 'ቲ ኣነ ዝሓሞ
ንስኺ ካብ ትኾኒ ዘርሞ ዘርሞ
ዘርሞ ዘርሞ

ኣሕለልክኒ ድማ ከብደይ በላዕክዮ
ልበይ ከም ብዋዛ ከም ዘየድመኽዮ
ናተይ ከይኣኽለኒ 'ቲ ምሳይ ደላ
ናትኪ ኽገድኒ መሰልኪ ጸሎሎ
ኣየየየየየየ...
ስውንዋኖ በሊ ሕራይ ክገድፎ
'ቲ ንብዓተይ ክጸርጎ
ካብ ትኾኒ ሰንፈላል ኣነ ባዕለይ ክሓልፎ
ስውንዋኖ በሊ ሕራይ ክልምነልኪ
ኩሉ ኽገድፎ'ሞ መቕጻዕቲ ከቕልሎ
ምሕረት ከውርደልኪ

ወለሎ'የ ወለሎ ወለሎ
ወለሎ'የ ወለሎ ወለሎ
ናተይ ዓዘራ ድዩ ዘብክነኪ ዘሎ
ዝገብረኪ ዘሎ ዘርሞ ዘርሞ
ዘርሞ ዘርሞ
ስውንዋኖ ስውንዋኖ
እሞ ኽገድፎ'ዶ 'ቲ ኣነ ዝሓሞ
ንስኺ ካብ ትኾኒ ዘርሞ ዘርሞ
ዘርሞ ዘርሞ

ንባዕለየ ኣነ ኸምኡ ዝነባዕኩ
ንባዕለየ ኣነ ኸምኡ ዝጎሃኹ
እቲ ኣነ ዝነብዖ እቲ ኣነ ዝጉህዮ
ንሕማቕኪ ኣይኮነን ሕማቕኪ እንታይ 'ለዮ
ኣየየየየየየ...
ስውንዋኖ ይኣኽለኪ ኣበሳ ይኣኽለኪ መከራ
ኣይደለኹን ንዓኺ ክፈድየኪ ዓዘራ
ስውንዋኖ ናትኪ ስቓይ ኣይደልን በቃ
ገዲፈዮ'ለኹ ምእንታኺ ኹሉ
ከይበዝሓኪ መስጣ

ሰበይ ናትኪ ፍዳይ ስቓይኪ 'ታይለዮ
ሰበይ ኣበሳኺ ሰበይ መከራኺ
'ታይ ክምልኣለይ ድሕሪ ምፍልላይ
ሰበይ ናትኪ ጻውራ ሰበይ ናትኪ ስቓይ
ኣይግኣኪ ሕሰም ኣይግኣኪ ሕማቕ
ጥዑምኪ'የ ዝምነ ጽቡቕኪ'የ ዝናፍቕ

በቃ ኣነ ዝጉህዮ በቃ ኣነ ዝሓሞ
ኣይደለኹን ንፍቕሪ ክትኮኒ ዘርሞ ዘርሞ
ከመይለ ክጻወሮ ከመይለ ክጽመሞ
ዓስበይ ኣነ ደኣ ተበዲለ እንድየ'ሞ
ሚዘረየ ኩሕሎ ሚዘረየ ወለላ
ደርቢኽኒ እንደኣልኪ እንከኒ ሻላማላ

በሊ ሕራይ ክሓድጎ እቲ ዘስተማስሎ
ከብድኺ ገሊጽኪ ከም ትመስሊ ጸለሎ
ዕጫና ምፍልላይ ይኹን ደኣ ምበር ዋላ
ኣዳቒልና ኢና ፍቕሪ ተጋፊፍና ኢና ኣንሶላ
ፍቕረይ ዋላ ይትረፎ ፍቕረይ ዋላ ኣይከሰብ
ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ፍቕሪ ኣይሰኣንን ሰበብ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists