Kishore Kumar Hits

Baheli Tigray - BeAlti Maedo (feat. Solomon Haile) lyrics

Artist: Baheli Tigray

album: Tigrigna Music Collection 2015


ብዓልቲ ማዕዶ'የ
ከመይ ኣሎ ደፋእፋእ እቲ ጉያ ግያ
ጉያ ጉያ (3)
ኣንቲ ብረየ ኣንቲ ብረየ... የ... የ.ኣኣኣኣ
መዋግዒ ኮይኖም እቲ ብእኺ ዝሕሎ
ክይዳ ገዲፋቶ ቀርያ ይበሃል ኣሎ
ምጽኒ ቶሎ (2)
ፍቕረይ እቲ ደፋእፋእ እቲ ገጽ ሰብ ምርኣይ
እቲ ጉያ ንእንጀራ ጉያ ንእኽለ-ማይ
ንምፍልላይ ድዩ ንምፍልላይ
ወለላ መዓረይ ክመይ ደኣ'ሉ እዚ ወረ
ኣየማኑን ግዲ ባሕሪ ተሳጊሩ ርሑቅ ዝወፈረ
ዶብ ዝሰገረ ዶብ ዝሰገረ
ኣንቲ ኮኾብ ተናፋቂት ብዓልቲ ማዕዶ ስደተኛ
ይናፍቀኪ እምበር የጠላልም ድዩ ዓዲ ጉና
ማዕጾ ናይ ገዛና ብግፍትኑ ከሎ
ዓይኒ ኣውጺኡ ከም ሰብ የቋተኪ ኣሎ
ኣነ በዓል ቤትኪ በርጋ ምሸት ኣልባ
ይጽበ ኣለኹ ሓቑፈ ዕምበባ
ፍቅረይ እቲ ደፋእፋእ እቲ ገጽ ሰብ ምርኣይ
እቲ ጉያ ንእንጀራ ጉያ ንእኽለ-ማይ
ንምፍልላይ ድዩ ንምፍልላይ
ዋላ እንዶ ኣይንቃዶ ኣብ ስድር ንማኖ
እሞ ኣነ ከምዚ ድየ ብማዕዶ ዝፋኖ
ወይኖ'የ ወይኖ (2)
ሓሊመልኪ ሕልሚ ሰለም ከብል ክግንቦ
ብሓተላይ ዕድብኺ ዘይወግሓለይ ለይቲ ብርካ ምሸት እልቦ
ፈሪሐ ክየፍትሖ ከየዛርቦ
ብዝይ ሳእኒ ጥራሕ እግረይ
ሕሩጭ ጽይረ ኣብ ዝባነይ
ሓሊመልኪ እንዳ ስዓምክኒ በእዛነይ
ኣቲ ኮኾብ ሰማይ ናይዛ ልበይ ዘውዲ
ሃተፍተፍ በዚሑ ኣይደሓናን ግዲ
ባዕልኺ ፍትሕለይ ሕርይተይ ኮኾበይ
ፈሪሐክየ እንበር እይ. ሕልመይ
ፍቅረይ ኣይንጨኻኸን ፍቅረይ ኣይንረሴዕ ኣይንጠላለም እባ
ኣንቲ ብረየ ብርየ
ይሓልፍ እየ እቲ ጸገማት ይርህው እዩ ጸገምት ይርህው እዩ እቲጸበባ
ኣንቲ ብረየ ብረየ
ፍቅርይ ኣይንጨኻኸን ኣይንጠላለም እባ
ይሓልፍ እዩ እቲ ጸገማት ይርህው እዩ እቲ ጸልማት ይርህው እዩ ጽበባ
ኣነ ናትኪ ሓላዊ ንልሳንኪ ሰማዒ
ኣፍቃሪኺ እንድየ ግዳ
ኣንቲ ብረየ ብረየ
ሕጂ መን በሊጽኪ ኣብ ጠልጠል ትድፍኒ
ምሳይ ኩኒ ጥራሕ ኣብ ሜዳ
እቲ ብረየ ብረየ
በየናይ ጎነይ ክድምድም በየናይ ጎነይ ክግንቦ
ብናፍቆትኪ'ዶ ይኾን በርታ ምሸት ኣልቦ(2)
ኣንቲ ፈልፋሊ ፍቅሪ ጌና ከለና ኣብ ስድሪ እይንጠላለም እባ
ኣንቲ ብረየ ብረየ
ክሓልፍ እዩ እቲ ጸገማት ክወግሕ እዩ እቲ ጸልማት
ኣንቲ ብረየ ብረየ
ፍቅረይ ኣይንጨኻኸን ኣይንጠላለም እባ
ይሓልፍ እዩ ጸገማት ይርህው እዩ ጸበባ(2)
ግጥ.ጸሓፊ ፊልሞን ሚኪኤል

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists