Kishore Kumar Hits

Solomon Haile - Sidet lyrics

Artist: Solomon Haile

album: Koribelki


ምኻድኪ ዘይተርፍ ግድን ካብ ኮነ
እዎዎዎዎ ዎይ
ህያበይ ደሓን ተመለሲ ክንደይ'ኳ ከይክእሎ ኣነ

ቃል 'ኣቱ ቃል ንኸይዓጽፍ ክፍተን ብእምነት
ተላበኹ ስደተኛ ክዕድግ ናፍቖት
ብኸርተት አሕልፎ ጊዜ ትኺድ ክሰንያ
ሕሱም ናብራ ንምሽናፍ ትበል ጉያ ጉያ
ቅኑዕ መንገዲ ሰናይ መገሻ
ልበይ ኣትሒዘ ክስኒ ጋሻ
ክስኒ ጋሻ
ደበና ሸፊና ግመ ስእላ ተሰንየ ንለይቲ
ንኽወስዳ ነዛ ለይቲ
በሊ ጋሪ ሰማይ ፈረስ ስደተኛ ክፍለም
ኣሚነ ሃብኩኺ ነዛ ፍርቂ ጎነይ ቀሲነ
እስኪ ክፍትኖ ጉዕዞ ብሕትነት ክጅምር
ቃልኪ ተተርኢሰ ምስ ናፍቖት ተሳንየ ክነብር
ፍቕሪ ኣመሉ'ዩ ለዋህ ከም ከብዲ 'ደ

ንዓኺ እንክበኒ ናፍቖቱ'ውን ክለምዶ

ዓው ኢለ'ዶ ኣነ ኽጽውዕ ተናፋቒት ተሰማዕክኒ
ብድሕሬኺ'ማ በይነይ ጸቢብኒ
ከይመጽእ ዘለኽዮ ርሒቕኒ
ዎ...
ሃ.
ኣሃሃ ሃሃ ሃሃሃ

ይኹን ዕድለዩ ደሓን ክፍተን ብእምነት
ተላበኹ ስደተኛ ክዕድግ ናፍቖት
ብኸርተት አሕልፎ ጊዜ ትኺድ ከሰንያ
ሕሱም ናብራ ንምሽናፍ ትበል ጉያ ጉያ
ቅኑዕ መንገዲ ሰናይ መገሻ
ልበይ ኣትሒዘ ክስኒ ጋሻ
ክስኒ ጋሻ
??? እንታይ ኣለዎ ከምዚ ብነጻ ዝርእያ
ከምቲ ዘፍቅራ
ኣንቲ ጓል ሃገረይ ናፊቐኪ ድሮ ናፊቐ
እንካብ ንፈላለ እኽለ ማይ ኣብዩኒ ሓሚቐ
ኣነስ'ኳ ኣብ ዓዲ ምስ ወገነይ ኮይነ ምስ ሰበይ
ንስኺ ምስ ጓና ከመይ ይገብረኪ'ሎ ህያበይ
በሊ ኣይትዶንግዪ ተመለሲ ተሎ

ነብሰይ እምበር ልበይ ምሳኺ'ዩ ዘሎ

ዓው ኢለ'ዶ ኣነ ኽጽውዕ ተናፋቒት ተሰማዕክኒ
ብድሕሬኺ'ማ በይነይ ጸቢብኒ
ከይመጽእ ዘለኽዮ ርሒቕኒ

እስኪ ይኹን ይኹን ደሓን ናትኪ 'ብእስ
ፍቕረይ ክሳብ ትምለሲ ስእልኺ ሗቒፈ እድቅስ
ተመሊስኪ ናባና ኢኺ ፍቕረይ ናተይ
ዕድለይ እምበር ደሃይና'ማ ኣይንፋነይና

እሱ ኣብ ዝበሎ ምርኻብና ኣይተርፍን
ኣብ ዘለኽዮ ኣይኽፋእኪ ፈጣሪ ምሳኺ ይኹን
እስኪ ደሓን ይኹን ደሓን ናትኪ 'ብእስ
ፍቕረይ ክሳብ ትምለሲ ስእልኺ ሗቒፈ እድቅስ

እስኪ ይኹን ይኹን ደሓን ናትኪ 'ብእስ
ፍቕረይ ክሳብ ትምለሲ ስእልኺ ሗቒፈ እድቅስ
ተመሊስኪ ናባና ኢኺ ፍቕረይ ናተይ
ዕድለይ እምበር ደሃይና'ማ ኣይንፋነይና

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists