Kishore Kumar Hits

Million Eshetu - Eritrean Music - Kexalyeki'ye lyrics

Artist: Million Eshetu - Eritrean Music

album: Seb Ydeli


ጋግየኪ'የ ኔረ ሓቂ ይሕሸኒ
ኣይመላለኹኽን ተዘይትስሕቅኒ
መን ደኣ ወሰዶ ትኹሉ መልክዕኪ
ከመይ ድዩ ኔሩ ህይወት ወለላይ
ድሕሪ 'ቲ ህድማኺ
ጋግየኪ'የ ኔረ ሓቂ ይሕሸኒ
ኣይመላለኹኽን ተዘይትስሕቅኒ
መን ደኣ ወሰዶ ትኹሉ መልክዕኪ
ከመይ ድዩ ኔሩ ህይወት ወለላይ
ድሕሪ 'ቲ ህድማኺ
እውይ...

በዲልክኒ'ኺ ቀልዓለም ዘይብሉ

ኩሉ ዝፈልጦ ዓው ኢልካ ትዛረበሉ
ግን ብሒም ኣይበልኩን ኣፈይ 'ናይከፈትኩን
ኣይተራገምኩን ወለላይ እሾኽ ኣይውግኣያ እንድየ ዝበልኩ
እንታይ ደኣ ጉዋለይ ኮይኑ ኸም ዘይቃለይ
'ዛ ምርቓይ ኣበይ ተሸሪባ
ዘይበልክዎ ኮይኑ ረኺብኪ ጸበባ
እውይ...

ናይ ሕጂ ግን ገሪሙኒ ከመይልኪ መጺኽኒ
ከመይልኪ ደፊርኪ ጉዋለይ ዓይነይ ክትርእይኒ
ነዛ ነብሰይ ልዕለይ ፈሪድክያ
ከብደይ ከም ዘይትኽእል ገሚትክያ

ጋግየኪ'የ ኔረ ሓቂ ይሕሸኒ
ኣይመላለኹኽን ተዘይትስሕቅኒ
መን ደኣ ወሰዶ ትኹሉ መልክዕኪ
ከመይ ድዩ ኔሩ ህይወት ወለላይ
ድሕሪ 'ቲ ህድማኺ
እውይ...
በዲልክኒ'ኺ ቀልዓለም ዘይብሉ

ኩሉ ዝፈልጦ ዓው ኢልካ ትዛረበሉ
ግን ብሒም ኣይበልኩን ኣፈይ 'ናይከፈትኩን
ኣይተራገምኩን ወለላይ እሾኽ ኣይውግኣያ እንድየ ዝበልኩ
እንታይ ደኣ ጉዋለይ ኮይኑ ኸም ዘይቃለይ
'ዛ ምርቓይ ኣበይ ተሸሪባ
ዘይበልክዎ ኮይኑ ረኺብኪ ጸበባ
ኣየየየይይይ...

ልበይ'ዶ ኣብ ኢድኪ'ንድዩ እንታይ ክትገፍሉ እንታይ ክትገፍሉ
ካብ ቀደሙ ክፉት'ዩ ንዓኺ ማዕጾ ከይኳሕኳሕክሉ
ማዕጾ ከይኳሕኳሕክሉ
እዋ... ሃ ... ሃ ...
ወሸለ መጺኽሉ ልበይ ደኣሞ ሞፍቶቱ
ልበይ ደኣ ሞፍቶቱ
ዋርድያ ኮይኑ ኸሪምዎ ብሓቂ ካልእ ከይትኣቱ
ካልእ ከይትኣቱ
እዋ... ሃ ... ሄ ...

ኣጆኺ ኣይትፍርሕኒ ንገርኒ ኸም ቀደም
ንዓኺ'የ ተፈጢረ ብዘይ ቀልዓለም
ኣሽንኳይ'ዶ ኽሶጎኪ ክልምነኪ ገላገል
ከጻልየኪ'የ ትበደልኪ ምስ ሓጥያት ከይቁጸር
ከጻልየኪ'የ ትበደልኪ ምስ ሓጥያት ከይቁጸር
ቀደሙ'ውን ኣነ ወለላይ ኣይክእልኔ ብኣኺ
ይትረፍ መጺኽኒ ወለላይ
ይትረፍ መጺኽኒ ዳነባዕኪ
ይትረፍ መጺኽኒ ዳነባዕኪ
ቀደሙ'ውን ኣነ ወለላይ ኣይክእልኔ ብኣኺ
ይትረፍ መጺኽኒ ወለላይ
ይትረፍ መጺኽኒ ዳነባዕኪ
ይትረፍ መጺኽኒ ዳነባዕኪ

ኣጆኺ ኣይትፍርሕኒ ንገርኒ ኸም ቀደም
ንዓኺ'የ ተፈጢረ ብዘይ ቀልዓለም
ኣሽንኳይ'ዶ ኽሶጎኪ ክልምነኪ ገላገል
ከጻልየኪ'የ ትበደልኪ ምስ ሓጥያት ከይቁጸር
ከጻልየኪ'የ ትበደልኪ ምስ ሓጥያት ከይቁጸር
ቀደሙ'ውን ኣነ ወለላይ ኣይክእልኔ ብኣኺ
ይትረፍ መጺኽኒ ወለላይ
ይትረፍ መጺኽኒ ዳነባዕኪ
ይትረፍ መጺኽኒ ዳነባዕኪ
ቀደሙ'ውን ኣነ ወለላይ ኣይክእልኔ ብኣኺ
ይትረፍ መጺኽኒ ወለላይ
ይትረፍ መጺኽኒ ዳነባዕኪ
ይትረፍ መጺኽኒ ዳነባዕኪ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists