Kishore Kumar Hits

Elsa Kidane - Senbet Mishet lyrics

Artist: Elsa Kidane

album: Belo (Eritrean Music)


ብየዒንተይ ንጉስ ልበይ ንጉስ ልበይ እቲ ሕያዋይ
ልዙብ ጠባይ
ጽቡቕ ስኒ ምቁር ወይኒ ምቁር ወይኒ ተበሃጋይ
ጥዑም ደሃይ
ኣይንፈላለ ንዘልኣለም ንዘልኣለም ዋላ ኣብ ሰማይ
ሰላም ኣማን
ሰንበት ምሸት ኣብ ገዛና
ኣጋይሽ መጽኡ ቡን እናሰተና
ከምቲ ንቡር ጓል ሓተቱ
ትብጻሕካ ኢሎሞ ኣሚኖም ሃብቱ
ኣሆይ ብሃንደበት
ኣሃይ ደርፊ ሰሚዐ
ኣሃይ ኣብራኸይ ኣብዩ
ኣሃይ ውነይ ኣጥፊአ
ኣሆይ ተራእዩኒ
ኣሃይ ቃል ማሕላና
ኣሃይ ኪዳን ክንኣቱ
ኣሃይ??? ኣብ ኢድና
ስለዚ...
ስለዚ...
ስለዚ ፍቕረይ ገለ ንግበር
ይፍለጥዎ ስድራይ ናይ ክልቴና ነገር
የእምኖም በጃኻ ልበይ ከይስበር
ሓደራኻ ፍቕሪ በይነይ ሓደራኻ
ሓደራኻ ኣሚን ልበይ ሓደራኻ
ሓደራኻ ኣይትዛነ ከይዘምቱኻ
ብየዒንተይ ንጉስ ልበይ ንጉስ ልበይ እቲ ሕያዋይ
ልዙብ ጠባይ
ጽቡቕ ስኒ ምቁር ወይኒ ምቁር ወይኒ ተበሃጋይ
ጥዑም ደሃይ
ኣይንፈላለ ንዘልኣለም ንዘልኣለም ዋላ ኣብ ሰማይ
ሰላም ኣማን
ፍቕሪ ኣይግዛእን ብገንዘብ ንዋይ
ፍቕሪ እንተልዩ ሃብቲ መጻኣይ
ንእሽቶ እንጌራ ምስ ሓያል ፍቕሪ
ተመስገን ኢልና ልኡል ፈጣሪ
ኣሆይ ጎጆ ፈሊና
ኣሃይ ብሓደ ክንነብር
ኣሃይ ለምዒ ፍቕርና
ኣሃይ መታን ከይሓርር
ኣሃይ ስድራይ ክኣምኑ
ኣሃይ ክምርቑና
ኣሃይ ሓዳር ክንመርሕ
ኣሃይ ውላድ ሗቒፍና
ስለዚ...
ስለዚ...
ስለዚ ወሲነ ሉለይ መሪጸ
ልበይ ከይስበር ፍቕረይ ከይቁጸ
ኣበደን ኢለዮም ስድራይ ኣቕቢጸ
ሓደራኻ ፍቕሪ በይነይ ሓደራኻ
ሓደራኻ ኣሚን ልበይ ሓደራኻ
ሓደራኻ ፍቕሪ ፍቕሪ'ዩ ኣእምኖም ኢኻ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists