Kishore Kumar Hits

Feven Tsegay - Aminka Mtlamka lyrics

Artist: Feven Tsegay

album: Natey Ika (Eritrean Music)


ኣሚንካ ምጥላምካ ኮይንኒ'ሎ ምህሮ
ንወድ-ሰብ ጊዜ ከም ዝቐያይሮ
ኣይመስለንን ኔሩ ዝኽእሎ ዝጸሮ
ነዛ ሓጻር ምንባር
ንበይንኻ ምሕዳር
ለሚደዮ ድሮ
ኣሚንካ ምጥላምካ ኮይንኒ'ሎ ምህሮ
ንወድ-ሰብ ጊዜ ከም ዝቐያይሮ
ኣይመስለንን ኔሩ ዝኽእሎ ዝጸሮ
ነዛ ሓጻር ምንባር
ንበይንኻ ምሕዳር
ለሚደዮ ድሮ
ከምዚ ሎሚ ኾይኑ ልብኻን ሓሳብካን ከይተቐያየረ
ምስ ምሕጽንታ ንብዓት ትብል'ዶ ኣይነበርካን ኣፍቂረ ኣፍቂረ
ማሕላኻ በኣይ ከም ዘይነበረ
ጊዜ ምስ ከደ
ጋጊኻኒ እምበር
ኣነ እንድየ ነይረ
ዕድለይ ድዩ ዓስበይ ኣባኻ ምውዳቐይ ወይስ ከምኡ'ዩ ወዲ
ኣማኒኻ ምእማን በደል እንተኾይኑስ ኣይደግሞን'የ ግዲ
ከምኡ'ድዩ ፍቕሪ ክልተ መንገዲ
ብግርህነተይ
ኮይነ ኸሪመ
መለማመዲ
ኣሚንካ ምጥላምካ ኮይንኒ'ሎ ምህሮ
ንወድ-ሰብ ጊዜ ከም ዝቐያይሮ
ኣይመስለንን ኔሩ ዝኽእሎ ዝጸሮ
ነዛ ሓጻር ምንባር
ንበይንኻ ምሕዳር
ለሚደዮ ድሮ
ይብሉኒ እንድዮም ሰባት ምጥዓም ኣቢዎ'ሎ ዘይምሱል መሲሉ
ካብቲ ምዉቕ ናብራ ከልበትበት ምባልካ ዘይ መስጣ'ዩ ኩሉ
እንተስ በዲሉ 'ተስ ተበዲሉ
ልበይ ገና
ይናፍቕ ኣሎ
ከምቲ ኣመሉ
ከምዚ ሎሚ ኾይኑ ልብኻን ሓሳብካን ከይተቐያየረ
ምስ ምሕጽንታ ንብዓት ትብል'ዶ ኣይነበርካን ኣፍቂረ ኣፍቂረ
ማሕላኻ በኣይ ከም ዘይነበረ
ጊዜ ምስ ከደ
ጋጊኻኒ እምበር
ኣነ እንድየ ነይረ
ጊዜ ምስ ከደ
ጋጊኻኒ እምበር
ኣነ እንድየ ነይረ
ጊዜ ምስ ከደ
ጋጊኻኒ እምበር
ኣነ እንድየ ነይረ
ጊዜ ምስ ከደ
ጋጊኻኒ እምበር
ኣነ እንድየ ነይረ
ጊዜ ምስ ከደ
ጋጊኻኒ እምበር
ኣነ እንድየ ነይረ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists