Kishore Kumar Hits

Feven Tsegay - Smani Fkrey lyrics

Artist: Feven Tsegay

album: Natey Ika (Eritrean Music)


ስምዓኒ'ሞ ፍቕረይ ስምዕኒ'ባ
ኢድካ'ሞ ኣይትሃብ ንጸበባ
ፈተና እንድዩ ዓለም
ናይ ፈጣሪ ስራሕ
ከም ምሕልፉ ይሕለፍ
ተስፋ ሒዝካ ምራሕ
ሰንከልከል ኣይትበል
ክወግሕ'ዩ ጽባሕ
ትስፉው ኮይንካ ውፈር ናብ ቁራስ እንጀራ
ባዕሉ ዝፈጠራ ባዕሉ እንድዩ ዘድርራ
ደርቂ ምስ ሓለፈ ኣሎ እኮ'ዩ ኣዝመራ
ሸለል በሎ ሸለል ኣይትሕሰብ ኣመና
ገንዘብ ካብ ዘይርከብ ፍቕሪ'ሎ ኣብ ልብና
ምስ ርኹብ ምስ ስኡን ማዕረ እንድዩ 'ቲ ሞትና
ስምዓኒ'ሞ ፍቕረይ ስምዕኒ'ባ
ኢድካ'ሞ ኣይትሃብ ንጸበባ
ፈተና እንድዩ ዓለም
ናይ ፈጣሪ ስራሕ
ከም ምሕልፉ ይሕለፍ
ተስፋ ሒዝካ ምራሕ
ሰንከልከል ኣይትበል
ክወግሕ'ዩ ጽባሕ
ማዕተበይ ርኢኻ ዘይሰለምኩ ኣይትበል
ሓጺር'ዩ 'ቲ ምንባር ኣይትኹን ሰንፈላል
ለግሰለይ ፍቕሪ ምስቲ ምቁር ዕላል
ትስፉው ኮይንካ ውፈር ናብ ቁራስ እንጀራ
ባዕሉ ዝፈጠራ ባዕሉ እንድዩ ዘድርራ
ደርቂ ምስ ሓለፈ ኣሎ እኮ'ዩ ኣዝመራ
ባዕሉ ዝፈጠራ ባዕሉ እንድዩ ዘድርራ
ደርቂ ምስ ሓለፈ ኣሎ እኮ'ዩ ኣዝመራ
ባዕሉ ዝፈጠራ ባዕሉ እንድዩ ዘድርራ
ደርቂ ምስ ሓለፈ ኣሎ እኮ'ዩ ኣዝመራ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists