Kishore Kumar Hits

Feven Tsegay - Asalyeni lyrics

Artist: Feven Tsegay

album: Natey Ika (Eritrean Music)


ኣሳልየኒ ዘመደይ ደፋእ በል እንዶ
ጋሻ'የ ጋሻ ንፍቕሪ ክሳብ ዝለምዶ
ድሮ ሰኒፋ ተሪፋ ኣይትበለኒ
ኣሳልየኒ
በይነይ ዝሓስቦ ብኣኻ ጽምዋ ኾይነ
ቅርብ ክብለካ እናበነነ
ልበይ ናፊቑ ብህርፋን እናዘለለ
ነብሰይ ዝኣስር ገለ'ሎ ገለ
ርእሰይ ብሕፍረት እንተደነነ
ኣሳልየኒ ጋሻ እንድየ ኣነ
ጊዜ ሃበኒ ጊዜ ንኹሉ ነገር
ታተ መሊኸ ጉያ ክጅምር
ገጽካ ክእሰር ርእየ መታን ከይብህርር
ኣላምደኒ ምፍቃር ምፍቓር
ቃለይ ውሒዱ 'ተዘይ ኣኺሉ
ዓይነይ ዝብለካ ኣስተብህለሉ
ኣሳልየኒ ዘመደይ ደፋእ በል እንዶ
ጋሻ'የ ጋሻ ንፍቕሪ ክሳብ ዝለምዶ
ድሮ ሰኒፋ ተሪፋ ኣይትበለኒ
ኣሳልየኒ
ሻባ ርእየካ ፍቕረይ ሻቡ ዝኸይድ
ፍርሒ እንደኣሉ ክቱር ሸበድበድ
ሕስብ ሓዲረ ለይቲ ንዓኻ ዝብሎ
ሕፍረት መጺኡ እናበለሎ
ናትካ ምስ ናተይ ንኽመጣጠን
ጊዜ ሃበኒ ነብሰይ ክኣምን
በይነይ ዝሓስቦ ብኣኻ ጽምዋ ኾይነ
ቅርብ ክብለካ እናበነነ
ልበይ ናፊቑ ብህርፋን እናዘለለ
ነብሰር ዝኣስር ገለ'ሎ ገለ
ርእሰይ ብሕፍረት እንተደነነ
ኣሳልየኒ ጋሻ እንድየ ኣነ
ርእሰይ ብሕፍረት እንተደነነ
ኣሳልየኒ ጋሻ እንድየ ኣነ
ርእሰይ ብሕፍረት እንተደነነ
ኣሳልየኒ ጋሻ እንድየ ኣነ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists