Kishore Kumar Hits

Feven Tsegay - N'falet Dena lyrics

Artist: Feven Tsegay

album: Wesn


ንፋለጥ ዲና ክንፋለጥ ግና
ወቓሕ ወቓሕ ኢልካኒ ኣመና
እንተስ ምስሊ እንተስ ፍቕሪ
ኣብ ህይወተይ ብዘይፈልጦ ናህሪ
ገዲፍካኒ ኣይትኺድ
ንፋለጥ ዲና ክንፋለጥ ግና
ወቓሕ ወቓሕ ኢልካኒ ኣመና
እንተስ ምስሊ እንተስ ፍቕሪ
ኣብ ህይወተይ ብዘይፈልጦ ናህሪ
ገዲፍካኒ ኣይትኺድ
ኣጋ ምሸት ኣጋ ጸሓይ ዕራብ
ማይ ሃሪሙ ክጎዪ ብዘብዘብ
ካብቲ ጠሊ ካብቲ ውሽጢ ዝናብ
ኣቕሊበልካ ብድሕረይ ክትስዕብ
ይፈልጦ'ድየ ኢለያ ንነብሰይ
ከሰላስልስ ጀብጂበልካ ብማይ
መሓውረይ ዝጎዮ ንቕድሚት
ፊት ናይ ገጸይ ናባኻ ንድሕሪት
ኣብ ሓሳበይ ዘይነበረ ኣብ ቀልበይ
ከይፈለጥኩስ ገለ ኾይና ልበይ
ብቖላሕታ ዘበልካኒ ሰለይ
ኣድራሻኻስ ኣበይ ክብሎ ኣበይ
መሓውረይ ዝጎዮ ንቕድሚት
ፊት ናይ ገጸይ ናባኻ ንድሕሪት
ኣብ ሓሳበይ ዘይነበረ ኣብ ቀልበይ
ከይፈለጥኩስ ገለ ኾይና ልበይ
ብቖላሕታ ዘበልካኒ ሰለይ
ኣድራሻኻስ ኣበይ ክብሎ ኣበይ
ንፋለጥ ዲና ክንፋለጥ ግና
ወቓሕ ወቓሕ ኢልካኒ ኣመና
እንተስ ምስሊ እንተስ ፍቕሪ
ኣብ ህይወተይ ብዘይፈልጦ ናህሪ
ገዲፍካኒ ኣይትኺድ
ንፋለጥ ዲና ክንፋለጥ ግና
ወቓሕ ወቓሕ ኢልካኒ ኣመና
እንተስ ምስሊ እንተስ ፍቕሪ
ኣብ ህይወተይ ብዘይፈልጦ ናህሪ
ገዲፍካኒ ኣይትኺድ
ኣብ ጽብሑ ዝናብ ምስ ጸሓየ
ተመሊሰ ክርእየካ ደልየ
ወቓሕ ወቓሕ ዝበልካኒ ፍጡር
ናበይ ኬድካ ኣብኡ ዘይትሓድር
ርጋጽ እግሪ ኣሰርካ እኳ የለን
የህሲስዎ ወሓዚን ጨፈቃን
ኣጋ ምሸት ኣጋ ጸሓይ ዕራብ
ማይ ሃሪሙ ክጎዪ ብዘብዘብ
ካብቲ ጠሊ ካብቲ ውሽጢ ዝናብ
ኣቕሊበልካ ብድሕረይ ክትስዕብ
ይፈልጦ'ድየ ኢለያ ንነብሰይ
ከሰላስልስ ጀብጂበልካ ብማይ
ይፈልጦ'ድየ ኢለያ ንነብሰይ
ከሰላስልስ ጀብጂበልካ ብማይ
ይፈልጦ'ድየ ኢለያ ንነብሰይ
ከሰላስልስ ጀብጂበልካ ብማይ
ይፈልጦ'ድየ ኢለያ ንነብሰይ
ከሰላስልስ ጀብጂበልካ ብማይ
ይፈልጦ'ድየ ኢለያ ንነብሰይ
ከሰላስልስ ጀብጂበልካ ብማይ
ይፈልጦ'ድየ ኢለያ ንነብሰይ
ከሰላስልስ ጀብጂበልካ ብማይ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists