Kishore Kumar Hits

Teame Weledemichael - Aytmkeruni - Eritrean Music lyrics

Artist: Teame Weledemichael

album: Aitmkeruni (Eritrean Music)


(ኣይክእሎን እየ) (3) ግደፉ ኣይትምከሩኒ
ክነግራ እየ (ክነግራ) (2) ግደፉ ኣይትምከሩኒ
ከይደ ክነግራ እየ ገለ እንድዩ ወሪዱኒ
ድሓር ካብ ትሓምዩኒ (ግደፉ) (3) ኣይትምከሩኒ
(ኣይክእሎን እየ) (3) ግደፉ ኣይትምከሩኒ
ክነግራ እየ (ክነግራ) (2) ግደፉ ኣይትምከሩኒ
ከይደ ክነግራ እየ ገለ እንድዩ ወሪዱኒ
ድሓር ካብ ትሓምዩኒ (ግደፉ) (3) ኣይትምከሩኒ
ጎበዝ እኳ እየ ከምቲ ትፈልጡኒ
ሚእቲ ኩርማጅ ኣብ ዝባነይ ሃሪሙ ዘየለፋልፈኒ
ደረት ኣፍልባ ግን ልዕሊ ፓሊስ ይምርምረኒ
ልዕሊ ሕጊ ይእዝዘኒ
ነዚ ዝጻወር ዓቕሚ ካበይ ከምጽእ ትደልዩኒ
ነዚ ሕመቐይ (ፈሊጥኩም) (2) ግደፉ ኣይትምከሩኒ
ኣንታ ፍቕረይ (ወለላ) (3) ፍቕሪ በይነይ (ዘለላ) (3)
ምስ በለትኒ ቅርብ ኢላ ቆፎ ልበይ የርሕወላ
መንጢላ ትወስድ እቲ ደስ ዝበላ
ካብኣ ዝሕባእ ምስጢር ኣበይ እየ ከቐምጦ
የዒንተይ ጠሚታ እንድያ ጠሚታ ኩነታተይ ትፈልጦ
(ኣይክእሎን እየ) (3) ግደፉ ኣይትምከሩኒ
ክነግራ እየ (ክነግራ) (2) ግደፉ ኣይትምከሩኒ
ከይደ ክነግራ እየ ገለ እንድዩ ወሪዱኒ
ድሓር ካብ ትሓምዩኒ (ግደፉ) (3) ኣይትምከሩኒ
ሰብኣይ እኳ እየ ከምቲ ትፈልጡኒ
መን ኣሎ ድዩ ካባኹም ብሓይሉ ብድሎ ዝገጥመኒ
እንተ ንሳ ግና ልዕሊ ንጉስ ትስግደኒ
ልዕሊ ኣንበሳ ትሕይለኒ
ነዚ ዝስዕር ሓይሊ ካበይ ከልቃሕ ትደልዩኒ
ንኩነታተይ (ገሚትኩም) (2) ሱቕ ኢልኩም ርኣዩኒ
ኣንታ ፍቕረይ (ሓላለይ) (3) ፍቕሪ በይነይ (ኮኾበይ) (3)
ምስ ኣስምዓቶ ነቲ እዝነይ ዝብሎ ኣይፈልጥን ብምሉኡ
እንታይ ገዲስኩም ትጽልኡ
ካብኣ ዝኽወል ምስጢር ሕማም እዩ ዝመስለኒ
ሓቀይ እየ ክለፋለፍ ሓኪመይ ኮይናትኒ
እቲ ተመኺሩ (ዝሰምዕ) (2) ብኣጋ
(እቲ ዘይወረዶ እንድኣሉ) (3)
ኣነ ድኣ ብፍቕሪ (ሓሚመ) (2) ጸሚመ እንድየ
(ከመይ ጌረ) (2) ክሰምዕ
ዋላ ተሕምመኒ ዋላ ተዕብደኒ
ዋላ ትበድለኒ ጨርቀይ ተደርብየኒ
ምስኣ ይሞቖኒ ግደፉ ኣይተቑሩኒ
ምስኣ ይሕሸኒ ምስኣ ይጥዕመኒ
እቲ ተመኺሩ (ዝሰምዕ) (2) ብኣጋ
(እቲ ዘይወረዶ እንድኣሉ) (3)
ኣነ ድኣ ብፍቕሪ ጸሚመ ሓሚመ ጸሚመ እንድየ
(ከመይ ጌረ) (2) ክሰምዕ
ዋላ ተሕምመኒ ዋላ ተዕብደኒ
ዋላ ትበድለኒ ጨርቀይ ተደርብየኒ
ምስኣ ይሞቖኒ ግደፉ ኣይተቑሩኒ
ምስኣ ይሕሸኒ ምስኣ ይጥዕመኒ
(ግደፉ ኣይተቑሩኒ ምስኣ ይሕሸኒ ምስኣ ይጥዕመኒ ምስኣ ይሞቖኒ) (2)

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists