Kishore Kumar Hits

Thomas Alazar - Tium Keytebahle - Eritrean Music lyrics

Artist: Thomas Alazar

album: Tium Keytebahle (Eritrean Music)


ጥዑም ጥዑም ከይተባህለ ይሓልፍ'ሞ
ምስ ተሳእነ ትዝክሮ
ጓል'ውን ካብ ምሳኻ
ምሰርሓቐት ትናፍቓ መሊስካ
ሓቂ'ዩ እምበኣር
ኣብ ኢድካ ዘሎስ ኣይትሪኦን ክባሃል

ሎሚ'የ ኣስተብሂለሉ ምስተፈለኽኒ
እድንድነኪ ምንባረይ ኣመና ብምልምላምኪ
ኣይትቀየምለይ ጽልኢ ኣይትተክሊ ምሳይ
አሕዋት ኴና ነሕልፎ ኣንቲ ጎይታ ጠባይ
ንህቢ ብዘይ ቆፎ'ዩ ኮይኑ ዘሎ ናብራይ
መዓስ እሞ ኣቕሊበሉ ኣነ ሰኣን ልበይ
ከይተረዳኣኒ ከሲረኪ ባዕለይ
ኣይትርባሕ ኢልኒ እምበር ካባኺ'ዶ 'ፍለይ
ለዋህ እንዲኺ ደኣ
ኣኽናፍ ኣልቦ ጻዕዳ ርግቢት ምድሪ
ዓቃል እንዲኺ ደኣ
ትዕግስትኺ እንዶ'ሞ ጸንቂቐዮ
ቦቕባቕ እንዲኺ ደኣ
ብሰንከይ ግን ከብድኺ እምኒ አእቲኽሉ
ሓዳግ እንዲኺ ደኣ
በዚሑኪ ይትረፈኒ ኢልኪ ኹሉ
ወሲንኪ
ወሲንኪ
ውሳነኺ'ኳ እንተዘይሓሰብክዎ
ለካ በዳሊ መዓልቲ 'ለዎ
ውሳነኺ'ኳ እንተዘይሓሰብክዎ
ለካ በዳሊ መዓልቲ 'ለዎ

ጥዑም ጥዑም ከይተባህለ ይሓልፍ'ሞ
ምስ ተሳእነ ትዝክሮ
ጓል'ውን ካብ ምሳኻ
ምሰርሓቐት ትናፍቓ መሊስካ
ሓቂ'ዩ እምበኣር
ኣብ ኢድካ ዘሎስ ኣይትሪኦን ክባሃል

ሎሚ'የ ኣስተብሂለሉ ምስተፈለኽኒ
እድንድነኪ ምንባረይ ኣመና ብምልምላምኪ
ኣይትቀየምለይ ጽልኢ ኣይትተክሊ ምሳይ
አሕዋት ኴና ነሕልፎ ኣንቲ ጎይታ ጠባይ
ንህቢ ብዘይ ቆፎ'ዩ ኮይኑ ዘሎ ናብራይ
መዓስ እሞ ኣቕሊበሉ ኣነ ሰኣን ልበይ
ከይተረዳኣኒ ከሲረኪ ባዕለይ
ኣይትርባሕ ኢልኒ እምበር ካባኺ'ዶ 'ፍለይ
ለዋህ እንዲኺ ደኣ
ኣኽናፍ ኣልቦ ጻዕዳ ርግቢት ምድሪ
ዓቃል እንዲኺ ደኣ
ትዕግስትኺ እንዶ'ሞ ጸንቂቐዮ
ቦቕባቕ እንዲኺ ደኣ
ብሰንከይ ግን ከብድኺ እምኒ አእቲኽሉ
ሓዳግ እንዲኺ ደኣ
በዚሑኪ ይትረፈኒ ኢልኪ ኹሉ
ወሲንኪ
ወሲንኪ
ውሳነኺ'ኳ እንተዘይሓሰብክዎ
ለካ በዳሊ መዓልቲ 'ለዎ
ውሳነኺ'ኳ እንተዘይሓሰብክዎ
ለካ በዳሊ መዓልቲ 'ለዎ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists