Kishore Kumar Hits

Thomas Alazar - Azeiba - Eritrean Music lyrics

Artist: Thomas Alazar

album: Best Of Thomas Alazar (Eritrean Music)


ናይ መስቀል ሸዊት ናይ መስከረም ዕምባባ
ገና ዘይቀምሰለት ንእሽቶይ ወለባ
ሓዳሽ ተኽሊ ወይኒ ዘይጠጠዐት ሸዊት
ከመይ ኮን ትህሉ ኣዙ ተፈታዊት
ኣዙ ተፈታዊት
ኣዙ ተፈታዊት
እምምምምም
እምምምምም
ብሩር ደሃብ'ዶ ኽብላ ወይስ ወርቂ ዘቦ
ኩለንትናኣ ግርማ ዝኸበቦ
ዘረበኣ መዓር ዕረ ዘይርከቦ
ናፍቖት በርቲዑኒ ንመን ክዛረቦ
ንመን ክዛረቦ
ንመን ክዛረቦ
ላይ ላሊ ላላላ
እምምምምም

ዓርኮብኮባይ ባርካ ሓለንጋይ ቁመታ
ኸም ቁመና ጽሕዲ ስሩዕ ኣካላታ
መስርዕ ሰደቕ ሸዊት ስገም ኣጻብዕታ

ሽትኡ ዝምስጥ ምዉቕ እስትንፋሳ
ሃሪ ምጽላሙ ነዊሕ ጾግሪ ርእሳ
መንበር ኣወጢሓ ኣብ ልበይ ደቂሳ

ኣዜባ ኩለን ደቂ ሄዋን
ምስ ኣዜባ ተዝምድራ
ኣዜባ ብመልክዕ ቑመና
ምስ ኣዜባ ተዝወዳደራ
ኣይመስለንን ምስ ኣዙ ዝዳረጋ
ኣዜባ ኣዜባ
ኣዜባ ደሓንዶ'ላ
ኣዜባ ኣዜባ
ኣዜባ ብሌን ዓይነይ
ላላላ. ሃ...
ላላላ. ሃ...
እምም. ም...
እምም. ም...

ናይ መስቀል ሸዊት ናይ መስከረም ዕምባባ
ገና ዘይቀምሰለት ንእሽቶይ ወለባ
ሓዳሽ ተኽሊ ወይኒ ዘይጠጠዐት ሸዊት
ከመይ ኮን ትህሉ ኣዙ ተፈታዊት
ኣዙ ተፈታዊት
ኣዙ ተፈታዊት
እምምምምም
እምምምምም
ብሩር ደሃብ'ዶ ኽብላ ወይስ ወርቂ ዘቦ
ኩለንትናኣ ግርማ ዝኸበቦ
ዘረበኣ መዓር ዕረ ዘይርከቦ
ናፍቖት በርቲዑኒ ንመን ክዛረቦ
ንመን ክዛረቦ
ንመን ክዛረቦ
ላይ ላሊ ላላላ
እምምምምም

ዓርኮብኮባይ ባርካ ሓለንጋይ ቁመታ
ኸም ቁመና ጽሕዲ ስሩዕ ኣካላታ
መስርዕ ሰደቕ ሸዊት ስገም ኣጻብዕታ

ሽትኡ ዝምስጥ ምዉቕ እስትንፋሳ
ሃሪ ምጽላሙ ነዊሕ ጾግሪ ርእሳ
መንበር ኣወጢሓ ኣብ ልበይ ደቂሳ

ኣዜባ ኩለን ደቂ ሄዋን
ምስ ኣዜባ ተዝምድራ
ኣዜባ ብመልክዕ ቑመና
ምስ ኣዜባ ተዝወዳደራ
ኣይመስለንን ምስ ኣዙ ዝዳረጋ
ኣዜባ ኣዜባ
ኣዜባ ደሓንዶ'ላ
ኣዜባ ኣዜባ
ኣዜባ ብሌን ዓይነይ
ኣዜባ ኩለን ደቂ ሄዋን
ምስ ኣዜባ ተዝምድራ
ኣዜባ ብመልክዕ ቑመና
ምስ ኣዜባ ተዝወዳደራ
ኣይመስለንን ምስ ኣዙ ዝዳረጋ
ኣዜባ ኣዜባ
ኣዜባ ደሓንዶ'ላ
ኣዜባ ኣዜባ
ኣዜባ ብሌን ዓይነይ
ኣዜባ ኣዜባ
ኣዜባ ደሓንዶ'ላ
ኣዜባ ኣዜባ
ኣዜባ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists