Kishore Kumar Hits

Thomas Alazar - Emenni - Eritrean Music lyrics

Artist: Thomas Alazar

album: Best Of Thomas Alazar (Eritrean Music)


ኣባኺ ዘለኒ ፍቅሪ
ኣባኺ ዘለኒ ፍቅሪ
ሓያል'ዩ ከም ነጎዳ ድምጺ
ነጎድጓዱ ግን ዕረፍቲ የብሉን
ዘይከም ነጎዳ ነጉዱ ኣስቓጢ
ኣባኺ ዘለኒ ፍቅሪ
ኣባኺ ዘለኒ ፍቅሪ
ሓያል'ዩ ከም ህቦብላ ንፋስ
ዕረፍቲ የብሉን ወትሩ'ዩ ሸባቢ
ዘይከም'ቲ ንፋስ ጌሹ ዝምለስ
እመንኒ(4)
ከም ካብ ዒላ ዝነዝዕ ፈልፋሊ ማይ ከይብሎ
ፈልፋሊ ማይ ከይብሎ
ፈልፋሊ ማይ ዋላ'ኳ ኣየቃርጽ
ዝግ ዝብለሉ እዋን ግን ኣሎ
ከም ትርግታ ልቢ ትማሊ፡ሎሚ፡ጽባሕ ህርመታ ዘይትንኪ
ከፍቅረኪ ክነብር'የ ጌና ክሳብ ዘለኹ ኣብ'ዛ ምድሪ
ንበርለይ ኣደ ተስፋ
ንበርለይ ኣደ ሩፍታ
ንበርለይ ኣደ ፍቅሪ
ክበርለይ ተሓጎሲ
ከም ጨርቂ ዘይበሊ
ዘይበንን ከም ትኪ
ኣለኒ(2) ኣኺሉ ዝተርፍ
ፍቅርን ክብርን ንዓኺ (2)
ከም ጨርቂ ዘይበሊ
ዘይበንን ከም ትኪ
ኣለኒ(2) ኣኺሉ ዝተርፍ
ፍቅርን ክብርን ንዓኺ (2)

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists