Kishore Kumar Hits

Thomas Alazar - Gezaka Eu Mamuk - Eritrean Music lyrics

Artist: Thomas Alazar

album: Best Of Thomas Alazar (Eritrean Music)


ንጸገም ጸገም'ዩ እንተይልካዮ ኢኻ ትጻገም
ኣብ ህይወት ፈተና'ሎ ኽዕወተሉ'የ በል

ዝሓሰብካዮ ሎሚ እንተዘይሰለጠ
ዕድልካ ኣይድፈን'ዩ ጊዜ'ዩ እንተመጠጠ

ኣብ ህይወት ኣብ ናይ ምንባር ጉዕዞ ኣብ ናይ ምንባር ቃልሲ

ግድን'ዩ ክህሉ መስገደል ግድን'ዩ ንዕኡ ኽትጋደል

ንነብስኻ እወ ነዛ ነብሲ ክዕወት'የ ጥራይ ኢልካ የእምና እምበር

ሕድሪ ኣሎኒ ኣብ ዝባነይ ምስ ሕልናይ ኣይትበኣሲ
ነዛ ገዲፍክኒ ጽባሕ ከተላግሲ
እንክዓርብ መሬት እንክመሲ
ንዒ ምሳይ ተቓለሲ
በላ ንነብሲ

መብጽዓ ኣሎኒ ኣብ ዝባነይ ምስ ሕልናይ ኣይትበኣሲ
ነዛ ገዲፍክኒ ጽባሕ ከተላግሲ
እንክዓርብ መሬት እንክመሲ
ንዒ ምሳይ ተቓለሲ
በላ ንነብሲ

ኣብ ዝባን እዛ ገረብ ክንዲ ዝተሓዝለ
ጸሓይ ወቒዑኒ ኢሉ እንተገደፋ ተወረደ ቖጽሊ

ከመይሉ ኽጥዕሞ ጸሓይ'ከ ዶ ትምሕሮ
ዘዝሓለፈ'ኳ እጥሕሮ
ምስ ሰብካ'ዩ ጥዑም ገዛኻ'ዩ ማሙቕ
ወላ እንተጠመኻ ካልእ ይትረፍ ትሕንቅቕ

ምስ ሰብካ'ዩ ጥዑም ገዛኻ'ዩ ማሙቕ

ወላ እንተጠመኻ ካልእ ይትረፍ ትሕንቅቕ

ንጸገም ጸገም'ዩ እንተይልካዮ ኢኻ ትጻገም
ኣብ ህይወት ፈተና'ሎ ኽዕወተሉ'የ በል

ዝሓሰብካዮ ሎሚ እንተዘይሰለጠ
ዕድልካ ኣይድፈን'ዩ ጊዜ'ዩ እንተመጠጠ

ኣብ ህይወት ኣብ ናይ ምንባር ጉዕዞ ኣብ ናይ ምንባር ቃልሲ
ግድን'ዩ ክህሉ መስገደል ግድን'ዩ ንዕኡ ኽትጋደል

ንነብስኻ እወ ነዛ ነብሲ ክዕወት'የ ጥራይ ኢልካ የእምና እምበር

ሕድሪ ኣሎኒ ኣብ ዝባነይ ምስ ሕልናይ ኣይትበኣሲ
ነዛ ገዲፍክኒ ጽባሕ ከተላግሲ
እንክዓርብ መሬት እንክመሲ
ንዒ ምሳይ ተቓለሲ
በላ ንነብሲ

ኣብ ዝባን እዛ ገረብ ክንዲ ዝተሓዝለ
ጸሓይ ወቒዑኒ ኢሉ እንተገደፋ ተወረደ ቖጽሊ

ከመይሉ ኽጥዕሞ ጸሓይ'ከ ዶ ትምሕሮ
ዘዝሓለፈ'ኳ እጥሕሮ
ምስ ሰብካ'ዩ ጥዑም ገዛኻ'ዩ ማሙቕ

ወላ እንተጠመኻ ካልእ ይትረፍ ትሕንቅቕ

ምስ ሰብካ'ዩ ጥዑም ገዛኻ'ዩ ማሙቕ

ወላ እንተጠመኻ ካልእ ይትረፍ ትሕንቅቕ

ደርሆ ምብራር'ዶ ምጸልአ መንገብገብ እናሃለዎ

ናተይ ኢሉ አእሚንዋ ንነብሱ ተፈጥሮ ኾይንዎ

እዛ ነብሲ'ውን ደረት የብሉን ድሌታ
ብዘለካ: ብትረኽቦ: ኣብ ዘለኻዮ ንተመስገን ኣልምዳ

ምስ ሰብካ'ዩ ጥዑም ገዛኻ'ዩ ማሙቕ
ወላ እንተጠመኻ ካልእ ይትረፍ ትሕንቅቕ

ምስ ሰብካ'ዩ ጥዑም ገዛኻ'ዩ ማሙቕ
ወላ እንተጠመኻ ካልእ ይትረፍ ትሕንቅቕ

ደርሆ ምብራር'ዶ ምጸልአ መንገብገብ እናሃለዎ
ናተይ ኢሉ አእሚንዋ ንነብሱ ተፈጥሮ ኾይንዎ
እዛ ነብሲ'ውን ደረት የብሉን ድሌታ
ብዘለካ: ብትረኽቦ: ኣብ ዘለኻዮ ንተመስገን ኣልምዳ

ምስ ሰብካ'ዩ ጥዑም ገዛኻ'ዩ ማሙቕ
ወላ እንተጠመኻ ካልእ ይትረፍ ትሕንቅቕ

ምስ ሰብካ'ዩ ጥዑም ገዛኻ'ዩ ማሙቕ

ወላ እንተጠመኻ ካልእ ይትረፍ ትሕንቅቕ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists