Kishore Kumar Hits

Thomas Alazar - Tenafakit - Eritrean Music lyrics

Artist: Thomas Alazar

album: Best Of Thomas Alazar (Eritrean Music)


ሄለው ምቅርቲ ተሃዊኸ እምበር ክረኽበኪ ደጋጊመ (እሟ)

ደጋጊመ (እሟ እሟ)
ክስምዐኪ ሗሗቒፈ
ንጽባሕ ዝበልናዮ ንሎሚ ይኹን ቆጸራና
ንጻወት ነዕልለሉ ኣይነሕድሮ ፍቕርና
ሄለው ምቅርቲ ተሃዊኸ እምበር ክረኽበኪ ደጋጊመ
ደጋጊመ
ክስምዐኪ ሗሗቒፈ
ንጽባሕ ዝበልናዮ ንሎሚ ይኹን ቆጸራና
ንጻወት ነዕልለሉ ኣይነሕድሮ ፍቕርና
ኣንቲ ዘይትጽገብ ዘለላ ወይኒ ወለላ መዓር
ምስቲ ጥዑም ዕላል
ምሳኺ ተለኹ እሞ እናሰሓቕኪ
በቃ ሎሚ ንራኸብ ከምኡ'የ ዝደሊ
በቃ ሎሚ ንራኸብ ከምኡ'የ ዝደሊ

ቀጻሊ ምርኻብ የማኑ
ዝብልዎ ሓቂ መዓስ ኮይኑ
ቀጻሊ ምርእኣይ የማኑ
ዝተባህለ ሓቂ መዓስ ኮይኑ
ምሽ ትሪኢኒ ኣለኺ
መመሊሰ ይናፍቕ ምሳይ እንከለኺ
ፈጺመ እኳ'የ ዘይጸግቦ ሰሓቕ ጸወታኺ

ነበርቲ ኣይኮንናን ኣብዚ ዓለም
ጽባሕ ክንህሉ ዘይክንህሉ ዘይፈለጥና

ግድን ኣይኮነን ስለ ዝጠፋእኪ
ዝናፍቕ ሕቕፎኺ
ኣነስ ኩሉ ጊዜ ምሳኺ ኣብ ኩሉ እዋን
ኣብ ዝኽረይ ኣለኺ
ስለዚ ሎሚ ንራኸብ በጃኺ

ሄለው ምቅርቲ ተሃዊኸ እምበር ክረኽበኪ ደጋጊመ (እሟ)
ደጋጊመ (እሟ እሟ)
ክስምዐኪ ሗሗቒፈ
ንጽባሕ ዝበልናዮ ንሎሚ ይኹን ቆጸራና
ንጻወት ነዕልለሉ ኣይነሕድሮ ፍቕርና
ኣንቲ ዘይትጽገብ ዘለላ ወይኒ ወለላ መዓር
ምስቲ ጥዑም ዕላል
ምሳኺ ተለኹ እሞ እናሰሓቕኪ
በቃ ሎሚ ንራኸብ ከምኡ'የ ዝደሊ
በቃ ሎሚ ንራኸብ ከምኡ'የ ዝደሊ

ቀጻሊ ምርኻብ የማኑ
ዝብልዎ ሓቂ መዓስ ኮይኑ
ቀጻሊ ምርእኣይ የማኑ
ዝተባህለ ሓቂ መዓስ ኮይኑ
ምሽ ትሪኢኒ ኣለኺ
መመሊሰ ይናፍቕ ምሳይ እንከለኺ
ፈጺመ እኳ'የ ዘይጸግቦ ሰሓቕ ጸወታኺ

ነበርቲ ኣይኮንናን ኣብዚ ዓለም
ጽባሕ ክንህሉ ዘይክንህሉ ዘይፈለጥና
ግድን ኣይኮነን ስለ ዝጠፋእኪ
ዝናፍቕ ሕቕፎኺ
ኣነስ ኩሉ ጊዜ ምሳኺ ኣብ ኩሉ እዋን
ኣብ ዝኽረይ ኣለኺ
ስለዚ ሎሚ ንራኸብ በጃኺ

ተናፋቒት ናትኪ'ሞ እንድዒ ኣነስ ነይክእሎ
ይትረፍ'ዶ ከይተራኸብና እናተራኣኣና'ኳ ጋዶ
ዓቕመይ ኣይኮነን ከይራኣኹኺ ጸሓይ ክትዓርብ
ሓይሊ 'ብለይን ሎሚ ገዲፈ ጽባሕ ክሓስብ

ፍቕሪ ፍቕሪ ጥዑም
መቐረተይ ፍቕሪ እኳ'ዩ ኣራኺቡና
ቀልዓለም ኣይትግበሪ ከይሰምዓና
ሓቀኛ ፍቕሪ እንተሃዲሙ ኣይምለስን'ዩ እንደገና
ፍቕሪ ፍቕሪ ጥዑም
መቐረተይ ፍቕሪ እኳ'ዩ ኣራኺቡና
ቀልዓለም ኣይትግበሪ ከይሰምዓና
ሓቀኛ ፍቕሪ እንተሃዲሙ ኣይርከብን'ዩ እንደገና

ተናፋቒት ናትኪ'ሞ እንድዒ ኣነስ ነይክእሎ
ይትረፍ'ዶ ከይተራኸብና እናተራኣኣና'ኳ ጋዶ
ዓቕመይ ኣይኮነን ከይራኣኹኺ ጸሓይ ክትዓርብ
ሓይሊ 'ብለይን ሎሚ ገዲፈ ጽባሕ ክሓስብ

ፍቕሪ ፍቕሪ ጥዑም
መቐረተይ ፍቕሪ እኳ'ዩ ኣራኺቡና
ቀልዓለም ኣይትግበሪ ከይሰምዓና
ሓቀኛ ፍቕሪ እንተሃዲሙ ኣይምለስን'ዩ እንደገና

ፍቕሪ ፍቕሪ ጥዑም
መቐረተይ ፍቕሪ እኳ'ዩ ኣራኺቡና
ቀልዓለም ኣይትግበሪ ከይሰምዓና
ሓቀኛ ፍቕሪ እንተሃዲሙ ኣይርከብን'ዩ እንደገና

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists