Kishore Kumar Hits

Thomas Alazar - Ainfelale - Eritrean Music lyrics

Artist: Thomas Alazar

album: Best Of Thomas Alazar (Eritrean Music)


ኣንቱም መሳጊድ ትመላለሱ
ኣንቱም ኣብያተ ክርስቲያን ትመላለሱ
እዚ እዋን ከይከብድ መሊሱ
መምስ ከበደኩም ናብ ቤቱ ኣይተላግሱ
ቅድም ከምቲ ዝብሎ ንኹን
ሽዑ ንለምን
ግብርና ከፊኡ ኸይከውን
እምበር ኳሕኩሑ ክኸፍተኩም እንድዩ ዝብል
ንፋቐር'ዶ 'ለና ንተሓላለ
ወይስ ንሓድሕድና ንተሃሳሰ
ንደጋገፍ'ዶ 'ለና ንመዓራረ
ሓደ ኢና'ሞ ኣሕዋት ኣይንፈላለ
ኣባይና 'ፈለ
ኣይንፈላለ ንሕና
ፍልልይና ነጽብብ
ጓኖት ከይከስቡና
ግዲ ኣርሒቕና ካብ ሰናይ ግብረተ
ናይ ልቢ'ዶ 'ኸ ኣይኮነን 'ዚ ጾም ጸሎተ
እንተስ ለውሃት ኣህዲሙ ኸብድና
ይምምሰልና'ሎ ንሰምዕ እንተሊና
ይነግረና'ሎ ነስተውዕል እንተሊና
ጽልኢ ኣብ ክንዲ ፍቕሪ
ጥልመት ክንዲ እምነት
ቂምታ ኣብ ክንዲ ይቕረ
እናኾነ እቲ ንኸዶ
ነዚስ ዓይኒ ዝፈጠረ ኣይርእን'ዶ
ዓደየ ዓደየ ትብል ኣላ ሃገር ኣይትፈላለየ
ዓደየ ዓደየ ኣይትፈናተቱ ከይቆረኒ ንዓየ
ዓደየ ዓደየ ትብል ኣላ ሃገር መፍቶ ጓና ኣይንኹን
ዓደየ ዓደየ ከም ቀደምና ደኣ ሓደ ልቢ ንኹን

ኣንቱም መሳጊድ ትመላለሱ
ኣንቱም ኣብያተ ክርስቲያን ትመላለሱ
እዚ እዋን ከይከብድ መሊሱ
መምስ ከበደኩም ናብ ቤቱ ኣይተላግሱ
ቅድም ከምቲ ዝብሎ ንኹን
ሽዑ ንለምን
ግብርና ከፊኡ ኸይከውን
እምበር ኳሕኩሑ ክኸፍተኩም እንድዩ ዝብል
ንፋቐር'ዶ 'ለና ንተሓላለ
ወይስ ንሓድሕድና ንተሃሳሰ
ንደጋገፍ'ዶ 'ለና ንመዓራረ
ሓደ ኢና'ሞ ኣሕዋት ኣይንፈላለ
ኣባይና 'ፈለ
ኣይንፈላለ ንሕና
ፍልልይና ነጽብብ
ጓኖት ከይከስቡና
ግዲ ኣርሒቕና ካብ ሰናይ ግብረተ
ናይ ልቢ'ዶ 'ኸ ኣይኮነን 'ዚ ጾም ጸሎተ
እንተስ ለውሃት ኣህዲሙ ኸብድና
ይምምሰልና'ሎ ንሰምዕ እንተሊና
ይነግረና'ሎ ነስተውዕል እንተሊና
ጽልኢ ኣብ ክንዲ ፍቕሪ
ጥልመት ክንዲ እምነት
ቂምታ ኣብ ክንዲ ይቕረ
እናኾነ እቲ ንኸዶ
ነዚስ ዓይኒ ዝፈጠረ ኣይርእን'ዶ
ዓደየ ዓደየ ትብል ኣላ ሃገር ኣይትፈላለየ
ዓደየ ዓደየ ኣይትፈናተቱ ከይቆረኒ ንዓየ
ዓደየ ዓደየ ትብል ኣላ ሃገር መፍቶ ጓና ኣይንኹን
ዓደየ ዓደየ ከም ቀደምና ደኣ ሓደ ልቢ ንኹን

ንሓድሕድና ንጠማመት
ዘይምጥምማት ንየዒንቲ ኣይጠቐመን
እቲ ምንታይ ኩሉ እናረኣያ
ንሓድሕደን እንከይተራኣኣያ
እቲኣ እንተ ዖረት ነቲኣ ኣይንታያ
ከምኡ ኣይንኹን ከምዚ ሎሚ
ከም ቀደምና ደኣ ኸምታ ዓሚ
ከምኡ ኣይንኹን ከምዚ ሎሚ
ከም ቀደምና ደኣ ኸምታ ዓሚ
ሓድነት ቀደምና'ዩ
ስምረት ቀደምና'ዩ
ስኒት ቀደምና'ዩ
ምስጢር ህላወ ሎሚ
ዓደየ ዓደየ ትብል ኣላ ሃገር ኣይትፈላለየ
ዓደየ ዓደየ ኣይትፈናተቱ ከይቆረኒ ንዓየ

ንሓድሕድና ንጠማመት
እቲ ዘይምጥምማት ንየዒንቲ ኣይጠቐመን
እቲ ምንታይ ኩሉ እናረኣያ
ንሓድሕደን እንከይተራኣኣያ
እቲኣ እንተ ዖረት ነቲኣ ኣይንታያ
ከምኡ ኣይንኹን ከምዚ ሎሚ
ከም ቀደምና ደኣ ኸምታ ዓሚ
ከምኡ ኣይንኹን ከምዚ ሎሚ
ከም ቀደምና ደኣ ኸምታ ዓሚ
ሓድነት ቀደምና'ዩ
ስምረት ቀደምና'ዩ
ስኒት ቀደምና'ዩ
ምስጢር ህላወ ሎሚ
ዓደየ ዓደየ ትብል ኣላ ሃገር ኣይትፈላለየ
ዓደየ ዓደየ ኣይትፈናተቱ ከይቆረኒ ንዓየ
ዓደየ ዓደየ ትብል ኣላ ሃገር መፍቶ ጓና ኣይንኹን
ዓደየ ዓደየ ከም ቀደምና ደኣ ሓደ ልቢ ንኹን
ዓደየ ዓደየ ትብል ኣላ ሃገር ኣይትፈላለየ
ዓደየ ዓደየ ኣይትፈናተቱ ከም ቀደምኩም ደኣየ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists