Kishore Kumar Hits

Orion Salih - Abey Keydu lyrics

Artist: Orion Salih

album: Langa Langa


ካብቲ ጥንቲ ሰብ ክፍጠር ከሎ
ሃብታም ዓለም ጸጋ ዝዓሰሎ
ስስዐን ምስጋናን ዓመጽን ሓልዮትን
ባእስን ሰላምን ጭካነን ለውሃትን
ከም ሕጊ ጸወታ ዳኛ ተጌሩለን
መምርሒ ፍጡራት መምዘኒና ኮይነን
መምዘኒና ኮይነን
ንስኻስ ምስ ሓፍትኻ ናብ ቤት ፍርዲ
ንስኺ ምስ ሰብኣይኪስ ናብቲ ቓዲ
ንስኹም ምስ ውላድኩም ኣብ ጭቃ ዓዲ
ኣበይ ከይዱ ፍቕሪ
ኣበይ ኣበይ ኣበይ ከይዱ ልግሲ
ኣበይ ከይዱ ፍቕሪ
ኣበይ ኣበይ ኣበይ ከይዱ ልግሲ
ልክዕ ከም እንስሳ ንግዝያዊ ዓስቢ
ምራቕና ነኾምስዕ ሸውሃትና ነዕቢ
ካብታ ሓንቲ ጎኑ ትልኽ ዝብል ፍጡር
ብድሎን ብቓጻን ነብስና ነህጥር
ኣበይ ከይዱ ለውሃት
ኣበይ ከይዱ ሓልዮት
ካብተን ዘለዋና እሞ ንማቐል
ምስቲ ዝጸመዎ እስከ ነዕልል
ምስ ዝተሓጎሰ እሞ ንዓልል
ምስቲ ዝጸልመቶ ተስፋ'ሞ ንማቐል
ከም ዝንኽነኽ ዘሎ ሕንቁቕ ህጻን
ቁሩብ ፍቕርናስ ትእበድ'ያ ዓለም
ካብቲ ጥንቲ ሰብ ክፍጠር ከሎ
ሃብታም ዓለም ጸጋ ዝዓሰሎ
ስስዐን ምስጋናን ዓመጽን ሓልዮትን
ባእስን ሰላምን ጭካነን ለውሃትን
ከም ሕጊ ጸወታ ዳኛ ተጌሩለን
መምርሒ ፍጡራት መምዘኒና ኮይነን
መምዘኒና ኮይነን
ንስኻስ ምስ ሓፍትኻ ኣብ ቤት ፍርዲ
ንስኺ ምስ ሰብኣይኪስ ኣብቲ ቓዲ
ንስኹም ምስ ውላድኩም ኣብ ጭቃ ዓዲ
ኣበይ ከይዱ ፍቕሪ
ኣበይ ኣበይ ኣበይ ከይዱ ልግሲ
ኣበይ ከይዱ ፍቕሪ
ኣበይ ኣበይ ኣበይ ከይዱ ልግሲ
ዓለም ተቖጢዓ ሙቐታ ወሲኹ
ንብዓት ምድሪ የዒንታ ባይታ ኣዕለቕሊቑ
ትንፋሳት ሶኺዓ ኣብ ኣኣፍ ልዳትና
ወይ ፊስካ ነፊሓ ብጫ ኸተርእየና
ዲና ደቂ ሰባት ንጽበ ዘለና
ካብተን ዘለዋና እሞ ንማቐል
ምስቲ ዝጸመዎ እስከ ነዕልል
ነቲ ዝሶጎመ እሞ ነድንቕ
ንዝተበገሰ እስከ ነተባብዕ
ከም ዝንኽነኽ ዘሎ ሕንቁቕ ህጻን
ብቅሩብ ፍቕርናስ ትእበድ'ያ ዓለም
ዓገብ ዓገብ
ዓገብ ዓገብ
ዓገብ ዓገብ
ንበል ዓገብ
ዓገብ ዓገብ
ዓገብ ዓገብ
ዓገብ ዓገብ
ንበል ዓገብ
ዓገብ ዓገብ
ዓገብ ዓገብ
ዓገብ ዓገብ
ንበል ዓገብ
ዓገብ ዓገብ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists