Kishore Kumar Hits

Abraham Alem - Hieru lyrics

Artist: Abraham Alem

album: Hieru


ሄሩ ሄሩ
'ታየ በዲለኪ ፍቕረይ ክልተ ገጻት ተርእይኒ
ደሓን ኣላ እናበልኩስ ካልእ ሰብ ትኾንኒ
ልበይ ምስ ቀሓረ ድማ ከም ብሓድሽ ትምለሲ
በቲ ጥዑም ልሳንኪ ንልበይ ተረስርሲ
ግድፊ'ባ ኣብ ፍቕሪ 'ተበዚሑ ህልኽ
ሰይጣንዩ ዝነግስ
ከም ቀደምኪ'ባ ኹንለይ
ጋሻ ባህርየይ ከይጽልምት

'ታየ በዲለኪ ፍቕረይ ክልተ ገጻት ተርእይኒ
ደሓን ኣላ እናበልኩስ ካልእ ሰብ ትኾንኒ
ልበይ ምስ ቀሓረ ድማ ከም ብሓድሽ ትምለሲ
በቲ ጥዑም ልሳንኪ ንልበይ ተረስርሲ
ግድፊ'ባ ኣብ ፍቕሪ 'ተበዚሑ ህልኽ
ሰይጣንዩ ዝነግስ
ከም ቀደምኪ'ባ ኹንለይ
ጋሻ ባህርየይ ከይጽልምት

ፍቕረይ ካበይ'ዩ መጽዩ 'ዚ ጋሻ ባህሪ
ከምዛ ዘይነበርኪ መምህር ፍቕሪ
እናቃባጠርኩልኪ ተንጸርጽሪ
ግደፊ'ባ ኸምኡ ኣይትግበሪ
ብፍቕርኺ ዓዊረ እናበልኩኺ ምቃለይ
ከመይ ገይርኪ ወለላይ ካብ ልቢ ትጭክንለይ
ሎሚ ግና እንድዕልኪ ጥዑም ጠባይኪ ሃዲሙ
ህልኽን ምንጽርጻርን ኣብ ውሽጥኺ ተጋዲሙ
ሎሚሲ ተጠራጢረ ጠፊኡኒ መኣዝን ፍቕሪ
ወረ ከይተረኸበኒ ይኽደነኒ ፈጣሪ
ፈጣሪናስ ርህሩህ'ዩ ብሓቂ ረዳኢ ጽጉማት
ከም ቀደምኪ ኽገብረለይ ይልምኖ ኮይነ ኣብ ጸልማት
ኣቲ ሄሩየ ሰላቢት ልበይ
ንስኺ እንዲኺ እምንቲ ሰበይ
ብዘይ ብኣኺ ከንቱ'ያ እዛ ዓለም
ክምኡ ኣይትግበሪ ከይኣቱ ናብ ጸገም
ሄሩየ ኣቲ ብርሃን ገዛ
ሄሩየ ይኣኽለኒ ቃንዛ
ሄሩየ ከም ቀደምኪ ኹኒ
ሄሩየ ፍቕርኺ ሃብኒ

ኣቲ ሄሩየ ሰላቢት ልበይ
ንስኺ እንዲኺ እምንቲ ሰበይ
ብዘይ ብኣኺ ከንቱ'ያ እዛ ዓለም
ክምኡ ኣይትግበሪ ከይኣቱ ናብ ጸገም
ሄሩየ ኣግዘምኩኺ ልበይ
ሄሩየ ኣይትስበሪ ባህገይ
ሄሩየ ትሕትና'ዩ ፍቕሪ
ሄሩየ ኣብኡ'ባ ንበሪ

ሄሩየ ኣቲ ብርሃን ገዛ
ሄሩየ ይኣኽለኒ ቃንዛ
ሄሩየ ከም ቀደምኪ ኹኒ
ሄሩየ ፍቕርኺ ሃብኒ

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists