Kishore Kumar Hits

Ftsum Beraki - Tesfa'leni lyrics

Artist: Ftsum Beraki

album: Tesfa'leni


ኣሆሆሆሆሆይ
ኦሆሆሆሆሆይይይነ
ኣሃየሀሀይ...
ኦሆሆሆየየይይይ
ነብሰይ ጸዋር ኩኒ
ዓቐብ ኣስግርኒ
ነብሰይ ዓቃል ኩኒ
ክዉን ኣኽእልኒ
እንበር
ይጠፍእ ኣለኹ ብመሬት ብባሕሪ
መስተርሆት ከናዲ መከራይ ዘብሪ
ቤት ሰላም መሲሉ ባቡ ዘርሓወለይ
ንሱ 'ዉን ኣይግድን ጎድኣኒ ቁስለይ
ግን!
ሃሃሃሃይ ሆ
ሃሃይ ሃሃሃሃሃይ
ተስፋ 'ለኒ ካብ ፈጣሪ 'ቦይ
ክኽፈልየ ዓስቢ መከራይ
ቅድመይ ኣሎ ዝሓሸ ንዓይ
ወይልኡ'ምበር ወይልኡ'ምበር
ወይልኡ'ምበር በዳልየይ
ሃሃሃይይ
ሆሆይይይ
ሃሃሃይይይ
ርግእ'ተይለ ኣብዘለኽዎ
ከዉታ ለይቲ ወጋሕታ 'ለዎ
ንመን ኣለዎስ እዝጊ 'ለዎ
እምነት ጥራይ ተስፋ ጥራይ
ምንባር ጥራይ ንኹሉ ምርኣይ
ህይይይ
ሄሄሄ
ነብሰይ ጸዋር ኩኒ
ዓቐብ ኣስግርኒ
ነብሰይ ዓቃል ኩኒ
ክዉን ኣኽእልኒ
እምበር!
ሓይሊ ኣንጊሳቶ ዓለም ኣብ መንበራ
ኣንጻር ፍቕሪ ሰላም ዝሸባ የእጋራ
ጽሩይ ማይ ዝመስል ኣብ እሳት ዝፍልፍል
ብልሓት ይሓትት'ዩ ኣብ ሎሚ ንምንባር

ሃሃሃሃይይይ
ተስፋ'ለኒ ካብ ፈጣሪ ድልዱል እምነት
ክህበኒ ኣብ ሂወተይ ዓቢ መስተርሆት
ተስፋ'ለኒ ኣብ ፈጣሪ ድልዱል እምነት
ክህበኒ ስኒት ሰላም ኣብ'ዛ መሬት
ከዋኽብቲ ኣብ'ቲ ጸላም 'ትድምቀቶም
ኣይስነፍኔ ተስፋ ሒዘ ክሰግር ጸገም
ህ ህ ህ ህ...
""""""
"""""

Поcмотреть все песни артиста

Other albums by the artist

Similar artists